Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ዘካርያስ 2:1 - መፅሓፍ ቅዱስ

1 መሊሰ ናብ ላዕሊ ጠመትኩ፤ እንሆ፥ ኣብ ኢዱ መለክዒ ገመድ ዝሓዘ ሰብኣይ ረአኹ።

Ver Capítulo Copiar




ዘካርያስ 2:1
12 Referencias Cruzadas  

“እንሆ፥ ብመናፍሕ ነፊሑ፥ ነቲ ሕመት ዘጕህሮ እሞ፥ ኣፅዋር ዝሰርሕ ኣንጠረኛ ዝፈጠርኩ ኣነ እየ፤ ነቲ መዕነዊውን ከጥፍእ ኢለ ዝፈጠርኩ ኣነ እየ።


እቲ መዐቀኒ ገመድ ከዓ፥ ክሳዕ ኰረብታ ጋሬብ ቀጥ ኢሉ ኽዝርጋሕ እዩ፤ ናብ ጐዓም ኣቢሉውን ክምለስ እዩ።


ቀርኒ ሞኣብ ተቘሪፁ እዩ፤ ኢዳውን ተሰቢሩ እዩ፤ ይብል እግዚኣብሄር።”


ናብኣ ኸዓ ወሰደኒ፤ እንሆ ድማ ኸም ነሃስ ዝትርኢቱ ሰብኣይ፥ ገመድ ልሕፂ እንጣጢዕን፥ ዝእምተሉ ዘንግን ኣብ ኢዱ ሒዙ፥ ኣብታ ደገ ደው ኢሉ ነበረ።


እንሆ ኸዓ፥ ነታ ቤት ብወፃኢ መንደቕ ከቢብዋ ነበረ፤ እቲ ሰብኣይ ኣብ ኢዱ ሒዝዋ ዝነበረ መአመቲት ዘንጊ ኸዓ ምንዋሓ ሽዱሽተ እመት እያ፤ እተን እመታ ድማ አእመትን ስድርን እየን፤ ንሱ ወርዲ እቲ መንደቕ ኣመተ፤ ሓንቲ ዘንጊ ኾነ፤ ቁመቱውን ሓደ ዘንጊ ኾነ።


እቲ ሰብኣይ ናብ ምብራቕ ኣቢሉ ኽወፅእ እንተሎ፥ ዝእምተሉ ገመድ ኣብ ኢዱ ነበሮ፤ ብእኡ ኸዓ ሽሕ እመት ኣመተ፤ በቲ ማያት ኣሳገረኒ፤ ክሳዕ ክሳድ እግረይውን በፅሐ።


መሊሱ ሽሕ እመት ኣመተ፤ በቲ ማያት ከዓ ኣሳገረኒ፤ እቲ ማያት ድማ ኽሳዕ ኣብራኸይ በፅሐ፤ ከም ብሓድሽ ሽሕ እመት ኣመተ፤ በቲ ማያት ከዓ ኣሳገረኒ፤ እቲ ማያትውን ክሳዕ ሕቘይ በፅሐ።


ድሕሪዙይ ብራእይ ለይቲ፥ መፍርሕን መደንገፅን የመና ብርቱዕን ዝኾነ፥ ራብዓይ ኣራዊት ረአኹ። ዓበይቲ ኣስናን ሓፂን ነበሮ፤ ይውሕጥን፥ ነቲ ዝተረፈ ኸዓ በእጋሩ ይረግፆን ነበረ። ካብቶም ቅድሚኡ ዝነበሩ ዅላቶም ኣራዊት ፍሉይ ዝዓይነቱ እዩ ዝነበረ፤ ዓሰርተ ኣቕርንቲ እውን ነበሮ።


ስለዙይ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ ብምሕረት ናብ ኢየሩሳሌም ተመሊሰ ኣለኹ። ቤተይ ኣብኣ ኽስራሕ እዩ። ኢየሩሳሌም ከዓ ንኻልኣይ ጊዜ ኽትህነፅ እያ፤ ኣብ ኢየሩሳሌም ድማ መለክዒ ገመድ ክዝርጋሕ እዩ’ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ኢልካ ስበኽ” በለኒ።


ኣዒንተይ ድማ ኣልዒለ፥ እንሆ ኣርባዕተ ኣቕርንቲ ረአኹ።


ድሕሪዙይ ዘንጊ ዝመስል መዐቀኒ ተውሃበኒ እሞ “ተስእ፤ ነቲ መቕደስ እግዚኣብሄርን፥ ነቲ መሰውእን ዓቅኖ፤ ነቶም ኣብኡ ዝሰግዱ ዘለዉውን ቍፀሮም።


እቲ ዝዛረበኒ ዝነበረ መልኣኽ ከዓ፥ ነታ ኸተማን ነቲ ደገታታን ቅፅራን ዝዕቅነሉ፥ ብወርቂ ዝተሰርሐ መዐቀኒ ዘንጊ ነበሮ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos