3 ሽዑ እግዚኣብሄር ከምቲ ብጊዜ ዂናት ዝተዋግኦ፥ ንኣህዛብ ክዋግኦም ክወፅእ እዩ።
ንሱ ድማ፦ “ኣቱም ሰብ ኵላ ይሁዳን ኣብ ኢየሩሳሌም እትነብሩን፥ ንስኻ ኢዮሳፍጥውን ስምዑ። እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብለኩም ኣሎ፦ ‘እቲ ውግእ ናተይ እዩ እምበር፥ ናታትኩም ኣይኮነን እሞ፥ ኣብ ቅድሚ እዝ ዓብዪ ሰራዊት እዙይ ኣይትፍርሑን ኣይትሸበሩን።
ኵነታት እቶም ህዝቢ ምስ ረአኹ ድማ ተሲአ፥ ንዓበይትን ንሹመኛታትን ነቶም ዝተረፉ ህዝብን “ንኣኣቶም ኣይትፍርሑ፤ ነቲ ዓቢይን ዝፍራሕን ጐይታ ዘክሩ፤ ምእንቲ ህዝብኹምን ኣወዳትኩምን ኣጓላትኩምን ኣንስትኹምን ኣባይትኹምን ተዋግኡ” በልክዎም።
ሽዑ ብዝሒ እቶም ኣብ ልዕሊ ኣርኤር ዝለዓሉ ዅሎም ኣህዛብ፥ ብዝሒ ዅሎም እቶም ንኣኣን ንዕርዳን ዝወግኡን ዘጨንቕዋን፥ ከም ሕልምን ከም ራእይ ለይትን ክኸውን እዩ።
ንዅሎም ኣህዛብ ክእክቦም፥ ናብ ለሰ ኢዮሳፍጥ ከዓ ኸውርዶም እየ፤ ኣብኡ ድማ ብዛዕባ ህዝበይን፥ ብዛዕባ ርስተይ እስራኤልን፥ ነቶም ኣብ መንጎ ኣህዛብ ፋሕ ዘበልዎምን፥ ንምድረይ ከዓ እተማቐልዋን ኣህዛብ፥ ኣብኡ ኽፋረዶም እየ።
እንሆ፥ በቲ ጊዜ እቱይ፥ ኵሎም ነቶም ዝጭቁኑኹም ክፃረሮም እየ፤ ነቶም ዝሓንከሱ ኸድሕኖም፥ ነቶም ዝተሰደዱ ኸዓ ኽእክቦም እየ፤ ኣብቲ ዅሉ ዝሓፈሩሉ ምድሪ፥ ንምስጋናን ንዝኸበረ ስምን ክገብሮም እየ።
በታ መዓልቲ ነቶም ኣብ ልዕሊ ኢየሩሳሌም ከጥፍእዋ ዝለዓሉ ዅሎም ኣህዛብ፥ ከጥፍኦም ክለዓል እየ።
እግዚኣብሄርውን ኣብ ቅድሚ እስራኤላውያን ኣደንገፆም። ኣብ ገባዖንውን ብዓብዪ መውቃዕቲ ወቕዖም፤ ብመንገዲ ዓቐበት ቤትሖሮንውን ኣሳጐጎም፤ ክሳዕ ዓዜቃን ክሳዕ ማቄዳን ከዓ ወቕዖም።
እግዚኣብሄር ንእስራኤል ተዋጊኡሎም እዩ እሞ፥ ቃል ሰብ ዝሰምዐላ ኸምታ መዓልቲ እቲኣ ዝበለት፥ ቅድሚኣ ኾነ ድሕሪኣ ኣይነበረትን።
እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ንእስራኤል ይዋግአላ ስለ ዝነበረ፥ ኢያሱ ነዞም ኵሎም ነገስታት እዚኣቶምን ንምድሮምን ብሓደ ጊዜ ሓዘ።