2 ኣነ ንዅላቶም ኣህዛብ ንውግእ ኣብ ኢየሩሳሌም ክእክቦም እየ። እታ ኸተማ ኽትተሓዝ እያ፤ ኣባይቲ ኽዝመቱ እዮም፤ ኣንስቲ እውን ክንወራ እየን። ፍርቂ ህዝቢ እታ ኸተማ ተማሪኾም ክኸዱ እዮም፤ እቶም ዝተረፉ ህዝቢ ግና ኻብታ ኸተማ ኣይውሰዱን እዮም።
ኣብ ቅድሚ ኣዒንቶም ህፃናቶም ክጭፍጨፉ እዮም፤ ኣባይቶም ክብዝበዝ እዩ፤ ኣንስቶም ድማ ኽንውራ እየን።
እግዚኣብሄር ብመንፈስ ፍርድን ብዘቃፅል መንፈስን ገይሩ፥ ንርስሓት ኣዋልድ ፅዮን ምስ ሓፀበ፥ ንደም ኢየሩሳሌም ድማ ኻብ ማእኸላ ምስ ኣፅረየ፥ ኵሉ ኣብ ፅዮን ዝተሓድገን ኣብ ኢየሩሳሌምውን ዝተረፈ፥ ኵሉ ኣብ ኢየሩሳሌም ንህይወት ዝተፅሓፈ ቕዱስ ክበሃል እዩ።
ነቶም ኣብ ርሑቕ ዘለዉ ኣህዛብ ድማ ምልክት ከቕውም እዩ፤ ካብ ወሰን ምድሪ ኸዓ ብፋፃ ኽፅውዖም እዩ፤ እንሆ እናጐየዩ ተቐላጢፎም ክመፁ እዮም።
እንሆ፥ ኢየሩሳሌም ንሓጐስ፥ ህዝባ ኸዓ ንደስታ ኽፈጥር እየሞ፥ በቲ ኣነ ዝፈጥሮ ተሓጐሱ፤ ንዘለኣለምውን ደስ ይበልኩም።
“እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፥ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ እንሆ፥ ነቲ ንጉስ ባቢሎንን ነቶም ካብ ቅፅሪ ወፃኢ ዝኸበቡኹም ከለዳውያንን እትዋግኡሉ፥ ኣብ ኣእዳውኩም ዘሎ ኣፅዋር ክመልሶ፥ ኣብ ማእኸል እዛ ኸተማ እዚኣ ኸዓ ኽእክቦ እየ።
ናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎንን ኵሉ ሰራዊቱን፥ እቶም ኣብ ትሕቲ ኢዱ ዝግዝኡ ዝነበሩ ዅሎም መንግስታት ምድርን ኵሎም ህዝብታትን፥ ምስ ኢየሩሳሌምን ምስ ኵለን ከተማታታን፥ ይዋግኡ ኣብ ዝነበሩሉ ጊዜ፥ ካብ እግዚኣብሄር ናብ ኤርሚያስ ዝመፀ ቓል እዙይ እዩ፦
ዮድ። ፀላኢ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ሃብታ ኢዱ ዘርግሐ፤ ኣብ ማሕበርካ ኸይኣትዉ ዝኸልከልካዮም ኣህዛብ፥ ኣብ ቤተ መቕደስ ክኣትዉ እንተለዉ ረአየቶም።
ስለዙይ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “እንሆ፥ ኣነ እመፀኪ ኣለኹ፤ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ ህዝብታት ከዓ፥ ኣብ ማእኸልኪ ፍርዲ ኸውፅእ እየ።
ንዅሎም ኣህዛብ ክእክቦም፥ ናብ ለሰ ኢዮሳፍጥ ከዓ ኸውርዶም እየ፤ ኣብኡ ድማ ብዛዕባ ህዝበይን፥ ብዛዕባ ርስተይ እስራኤልን፥ ነቶም ኣብ መንጎ ኣህዛብ ፋሕ ዘበልዎምን፥ ንምድረይ ከዓ እተማቐልዋን ኣህዛብ፥ ኣብኡ ኽፋረዶም እየ።
እዙይ ኣብ ማእኸል ኣህዛብ ኣውጁ፤ ንውግእ ተዳለዉ፤ ነቶም ጀጋኑ ኣንቅሕዎም፤ ኵሎም ተዋጋእቲ ቐሪቦም ይውፅኡ።
ስለዙይ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ሰበይትኻ ኣብታ ኸተማ ኣመንዝራ ኽትከውን እያ፤ ኣወዳትን ኣዋልድን ደቅኻ፥ ብሰይፊ ኽወድቑ እዮም፤ ምድርኻ ድማ ብገመድ ክትምቀል እያ፤ ንስኻውን ኣብ ዝረኸሰት ሃገር ክትመውት ኢኻ። እስራኤልውን ብርግፅ ካብ ሃገሩ ተማሪኹ ክኸይድ እዩ።”
“እንሆ፥ ንኢየሩሳሌም፥ ኣብ ዙርያኣ ንዘለዉ ዅሎም ኣህዛብ ገድገድ ከም ዘብል ፅዋዕ ኽገብራ እየ፤ ከምኡውን ኢየሩሳሌም እንትትክበብ ኣብ ልዕሊ ይሁዳ ኸምዙይ ክኸውን እዩ።
በታ መዓልቲ እቲኣ፥ ንኢየሩሳሌም ንዅሎም ኣህዛብ ከቢድ እምኒ ኽገብራ እየ፤ እቶም ኵሎም ክስከምዋ ዝፍትኑ፥ ንባዕላቶም የመና ኽቘስሉ እዮም፤ ኵሎም ኣህዛብ ምድሪ እውን፥ ኣብ ልዕሊኣ ኽእከቡ እዮም።
በታ መዓልቲ ነቶም ኣብ ልዕሊ ኢየሩሳሌም ከጥፍእዋ ዝለዓሉ ዅሎም ኣህዛብ፥ ከጥፍኦም ክለዓል እየ።
እቲ ንጉስ ተቘጢዑ፥ ወታደራቱ ልኢኹ፥ ነቶም ቀተልቲ ኣጥፍኦም፤ ንኸተማኣቶምውን ኣቃፀለ።
እቲ ብነቢይ ዳንኤል ዝተብሃለ “ናይ ጥፍኣት ርኽሰት” ኣብ ዘይግብኦ ስፍራ ቖይሙ ምስ ረአኹም፥ እቲ ዘንብብ የስተውዕል፤ ሽዑ እቶም ኣብ ይሁዳ ዘለዉ፥ ናብ እምባታት ይህደሙ፤
ካብታ እግዚኣብሄር መጀመርታ ፍጥረት ዝፈጠረላ፥ ክሳዕ ሎሚ ኸምኡ ኾይኑ ዘይፈልጥ፥ ድሕሪ ሕዚ እውን ከቶ ዘይኸውን መከራ፥ በታ እዋን እቲኣ ክኸውን እዩ።
በቲ ጊዜ እቱይ፥ ኵሉ ዓለም ክምዝገብ ካብ ቄሳር ኣውግስጦስ ትእዛዝ ወፀ።