8 ኣብ ልዕሊ ዅላ እታ ምድሪ ድማ እቶም ክልተ ኢድ ተቘሪፆም ክሞቱ እዮም፤ እቶም ሳልሳይ ኢድ ግና፥ ኣብኣ ኽተርፉ እዮም፤ ይብል እግዚኣብሄር።
ዓስራይ ኣፍ ናይቲ ህዝቢ እኳ ኣብታ ምድሪ እንተ ተረፈ፥ ንሱውን ክጠፍእ እዩ። ከምቲ ዝተቘርፀ መሞናን ኣውሕን ጕንዱ ጥራሕ ዝተርፍ፥ ከምኡ ድማ እቲ ዝተርፍ ጕንዲ፥ ቅዱስ ዘርኢ ክኸውን እዩ።”
“ወፂኦም ድማ፥ ንሬሳታት ናይቶም ካባይ ዝኸድዑ ሰባት፥ ክርእይዎ እዮም፤ እቲ ሓሰኻኦም ኣይመውትን፤ እቲ ሓዎም ድማ ኣይጠፍእን እዩሞ፥ ንዅሉ ስጋ ዝለበሰ፥ ዘፀይፉ ክኾኑ እዮም።”
ኣነ ምስኻ እየ፤ ከድሕነካውን እየ፤ ነቶም ናብኣቶም ፋሕ ዘበልኩኹም ኵላቶም ህዝብታት፥ ፈፂመ ኸጥፍኦም እየ፤ ንኣኻ ግና ፈፂመ ኣየጥፍአካን እየ፤ ብመጠኑ ኽቐፅዐካ እየ፤ ብዘይ ቅፅዓት ግና ኣይሓድገካን።”
ነቶም ኣባይ ዝዓመፁን ዝኸድዑን፥ ካባኻትኩም ክፈልዮም፥ ካብቲ ጓና ኾይኖምዎ ዘለዉ ሃገር ከዓ ኸውፅኦም እየ፤ ግናኸ ናብ ምድሪ እስራኤልስ ኣይኣትዉን እዮም፤ ንስኻትኩም ድማ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ክትፈልጡ ኢኹም።”
ሲሶኺ ብፌራ ኽሞቱ፥ ኣብ ማእኸልኪ ኸዓ ብጥሜት ክውድኡ እዮም፤ እቲ ሓደ ሲሶ ድማ ኣብ ዙርያኺ ብሰይፊ ኽወድቕ እዩ፤ ነቲ ሓደ ሲሶ ኸዓ ኣብ ኵሉ ንፋሳት ክዘርዎ፥ ደድሕሪኣቶምውን ሰይፈይ ክመዝዝ እየ።
እቲ ሓለቓ ንሓደ ሱባዔ፥ ምስ ብዙሓት ፅኑዕ ኪዳን ክኣቱ እዩ። ኣብ ፍርቂ እቲ ሱባዔ ኸዓ፥ ነቲ መስዋእቲ ሕሩድን፥ ነቲ መስዋእቲ ቝርባንን፥ ከወግድ እዩ። እቲ መጥፍኢ ድማ በኽናፍ ርኽሰት ክመፅእ እዩ። እዙይ ከዓ ኽሳዕ እቲ ምዱብ መፈፀምታ፥ ኣብ ልዕሊ እቲ መጥፍኢ ኽፈስስ እዩ።”
እቶም ‘ክፉእ ኣይረኽበናን እዩ፤ ኣይበፅሐናንውን’ ዝብሉ ዅሎም ሓጥኣን ህዝበይ፥ ብሰይፊ ኽሞቱ እዮም።”
ኣብ ማእኸልኪ የዋህን ትሑትን ህዝቢ ኸትርፍ እየ፤ ንሳቶምውን ብስም እግዚኣብሄር ክእመኑ እዮም።
“ስለዙይ ኣነ ንፍርዲ ናባኻትኩም ክቐርብ እየ። ኣብ ልዕሊ ኣስማተኛታትን ዘመውትን፥ ኣብ ልዕሊ እቶም ብሓሰት ዝምሕሉን፥ ንበዓል ዓስቢ ዓስቡ ዝዕምፅዎን፥ ንመበለትን ደኽታምን ዝገፍዕዎምን፥ ንስደተኛ መሰሉ ዝኸልእዎን፥ ኣብ ልዕሊ እቶም ንኣይ ዘይፈርሑን፥ ክምስክረሎም ክቕልጥፍ እየ፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር።
እቲ ንጉስ ተቘጢዑ፥ ወታደራቱ ልኢኹ፥ ነቶም ቀተልቲ ኣጥፍኦም፤ ንኸተማኣቶምውን ኣቃፀለ።
ነተን መዓልቲታት እቲኣተን፥ እግዚኣብሄር እንተ ዘየሕፅረንስ፥ ኵሉ ስጋ ዝለበሰ ኣይምደሓነን ነይሩ። ምእንቲ እቶም ሕሩያት ግና፥ እተን መዓልቲታት እቲኣተን ክሓፅራ እየን።
እታ ዓባይ ከተማ ናብ ሰለስተ ተመቐለት፤ ከተማታት ኣህዛብውን ወደቓ፤ ናይቲ ብርቱዕ ቝጥዓኡ ወይኒ ዝመልአ ፅዋዕ ኽወሃባ፥ እታ ዓባይ ባቢሎን፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ተዘከረት።