4 በታ መዓልቲ እቲኣ፥ ኵሎም ነቢያት ትንቢት እንትናገሩ፥ ነፍሲ ወከፍ ስለ እቲ ዝናገሮ ራእይን ትንቢትን ይሓፍር፤ ንምትላልውን ወጮ ኣይለብሱን።
ንሳቶም ድማ “እቲ ሰብኣይ ጨጓር፥ ኣብ ሕቘኡ ኸዓ ፈልቍ ዝተዓጥቀ እዩ” በልዎ። እቲ ንጉስ ድማ “ንሱ ኤልያስ ቴስብያዊ እዩ” በለ።
እግዚኣብሄር ንኢሳይያስ ወዲ ኣሞፅ “ኪድ እሞ ነቲ ወጮ ኻብ ሕቘኻ ፍትሓዮ፤ ኣሳእንካ ድማ ኻብ ኣእጋርካ ኣውፅእ” ኢሉ ተዛረቦ። ንሱውን ከምኡ ገበረ እሞ ጥራሕ ዝባኑን ጥራሕ እግሩን ከደ።
ከምቲ ሰራቒ ምስተትሓዘ ዝሓፍር፥ ከምኡ ህዝቢ እስራኤል፥ ምስ ነገስታቶምን ኣሕሉቖምን ካህናቶምን ነቢያቶምን ክሓፍሩ እዮም።
ርኽሰት ስለ ዝገበሩዶኸ ኽሓፍሩ እዮም? ምንም ኣይሓፍሩን፤ ሓፍረት እንታይ ምዃኑ እኳ ኣይፈልጡን እዮም። ስለዙይ ምስቶም ዝወድቁ ኽወድቁ፥ ምስ ቀፃዕኹዎም ከዓ ፃሕ ኢሎም ክወድቁ እዮም፤ ይብል እግዚኣብሄር።”
እዞም ጥበበኛታት እዚኣቶም ክሓፍሩን ክድንግፁን ክተሓዙን እዮም። ንሳቶም ንቓል እግዚኣብሄር ሓዲጎምስ፥ ከመይ ዝበለ ጥበብ ደኣ ሃልይዎም እዩ?
ክዳኑ ኻብ ፀጕሪ ግመል ዝተሰርሐ ነበረ፤ ዕጣቕ ሕቘኡ ድማ፥ ፈልቊ ቘርበት፥ ቀለቡ ኸዓ ኣንበጣን መዓር ፅዴናን ነበረ።
ዮሃንስ፥ ክዳኑ ኻብ ፀጕሪ ግመል ዝተሰርሐ፥ ዕጣቕ ሕቘኡ ድማ ኣዲም፥ ቀለቡውን ኣንበጣን መዓር ፅዴናን ነበረ።
ብእምኒ ተቐጥቂጦም ተቐተሉ፤ ብመጋዝ ተመገዙ፤ ተሰይፎም ሞቱ፤ ኣጐዛ ኣባጊዕን ዲኖ ኣጣልን ተኸዲኖም ዞሩ፤ ሰኣኑ፤ ፀበቦም፤ መከራ ተቐበሉ።
ነቶም ክልተ መሰኻኽረይ፥ ወጮ ተኸዲኖም ሽሕን ክልተ ሚእትን ስሳን መዓልቲ ኽንበዩ፥ ሓይሊ ኽህቦም እየ” በለኒ።