9 በታ መዓልቲ ነቶም ኣብ ልዕሊ ኢየሩሳሌም ከጥፍእዋ ዝለዓሉ ዅሎም ኣህዛብ፥ ከጥፍኦም ክለዓል እየ።
ሽዑ ብዝሒ እቶም ኣብ ልዕሊ ኣርኤር ዝለዓሉ ዅሎም ኣህዛብ፥ ብዝሒ ዅሎም እቶም ንኣኣን ንዕርዳን ዝወግኡን ዘጨንቕዋን፥ ከም ሕልምን ከም ራእይ ለይትን ክኸውን እዩ።
እንሆ ኽእከቡ እዮም፤ ግና ኻባይ ኣይኮነን፤ ኵሎም እቶም ኣብ ልዕሌኺ ዝእከቡ፥ ካባኺ ዝተልዓለ ኽወድቑ እዮም።”
ኣንፃርኪ ዝተሰርሐ ዅሉ ኣፅዋር፥ ክኸሽፍ እዩ፤ ነቲ ንፍርዲ ኣብ ልዕሌኺ ንዝለዓል ኣንደበትውን፥ ክትረትዒ ኢኺ። እምበኣር ርስቲ ኣገልገልቲ እግዚኣብሄር እዙይ እዩ፤ ፅድቆምውን ካባይ እዩ” ይብል እግዚኣብሄር።
ዙፋን መንግስታት ክገላብጥ እየ፤ ሓይሊ መንግስታት ኣህዛብ ከጥፍእ እየ፤ ሰረገላታትን ዝቕመጥዎምንውን ክገላብጥ እየ። ኣፍራስን ዝቕመጥወንን ከዓ፥ ነፍሲ ወከፍ ብሰይፊ ሓዉ ተወቒዑ ክወድቕ እዩ።
“እንሆ፥ ንኢየሩሳሌም፥ ኣብ ዙርያኣ ንዘለዉ ዅሎም ኣህዛብ ገድገድ ከም ዘብል ፅዋዕ ኽገብራ እየ፤ ከምኡውን ኢየሩሳሌም እንትትክበብ ኣብ ልዕሊ ይሁዳ ኸምዙይ ክኸውን እዩ።