7 “እግዚኣብሄር ድማ ኽብሪ ቤት ዳዊትን ክብሪ ኢየሩሳሌምን ኣብ ክብሪ ይሁዳ ኸይዕበ፥ መጀመርታ ንመንበሪታት ይሁዳ ኸድሕን እዩ።
ብሓቂ እንተ ተዓበኹምለይ፥ ስለ ውርደተይ ኣብ ልዕለይ እንተ ተኸራኸርኩም፥
እቶም ብመከራይ ዝሕጐሱ፥ ብሓባር ይዋረዱ፤ እቶም ኣብ ልዕለይ ዝዕበዩ፥ ሕፍረትን ውርደትን ይልበሱ።
ፀላእተይ ብኣይ ደስ ከይብሎም ኢለ ኣለኹሞ፥ እግረይ ሰንከልከል እንተበለውን ርእሶም ኣብ ልዕለይ ልዕል ልዕል ከብሉ እዮም።
ፀላኢ እንተ ዝፀርፈኒ ምተዓገስክዎ፤ ዝፀልአኒውን ንባዕሉ ኣብ ልዕለይ ልዕል ልዕል እንተ ዘብል፥ ካብኡ ምተሓባእኹ ነይረ።
ንዅሉ ትዕቢት ክብሪ ዘበለ ኸሕስር፥ ንዅሎም ክቡራት ምድሪ ኸዋርድ ኢሉ ነዙይ ዝወሰነ፥ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር እዩ።
እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “እንሆ ምርኮ ድንኳን ያእቆብ ክምልስ እየ፤ ንመንበሪኡውን ክርህርሀሉ እየ፤ እታ ኸተማ ኣብ ልዕሊ ዀረብታታት፥ ክትህነፅ እያ፤ እቲ ኣዳራሻውን ከም ቅድሙ፥ መንበሪ ሰብ ክኸውን እዩ።
“በታ መዓልቲ እቲኣ፥ ነታ ዝወደቐት ድንኳን ዳዊት ከተስእ እየ፤ ንዝነቕዐ መናድቓ ኽፅግኖ፥ ንዝፈረሰ ኽሕድሶ፥ ከምቲ ብጥንቲ ዘመን ዝነበረቶ ገይረ ኸዓ ኽሃንፃ እየ።
በታ መዓልቲ እቲኣ ፈረሰ። እቶም ዝጥምቱኒ ዝነበሩን፥ እቶም ዝተጨነቑ ኣባጊዕን፥ ቃል እግዚኣብሄር ምዃኑ ፈለጡ።
መሊሱ “ንዘሩባቤል፥ ዝተብሃሎ ቓል እግዚኣብሄር እዙይ እዩ፦ ብመንፈሰይ እምበር፥ ብሓይልን ብብርተዐን ኣይኮነን፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር።
በታ ጊዜ እቲኣ፥ ኢየሱስ ብመንፈስ ቅዱስ ተሓጕሱ ኸምዙይ በለ፤ “ኦ ኣቦይ! ጐይታ ሰማይን ምድርን፥ ነዙይ ካብ ብልህታትን ካብ ለባማትን ስለ ዝሓባእኻዮ፥ ንህፃናት ድማ ስለ ዝገለፅካዮ፥ አመስግነካ ኣለኹ። እወ፥ ኦ ኣቦ! እዙይ ከምዙይ ክኸውን፥ ፍቓድካ ኾይኑ እዩ እሞ።
ትምክሕቲ ደኣ ኣበይ ኣሎ? ንሱ ተሪፉ እዩ፤ ብግብሪ ሕጊ ድዩ? ኣይኮነን፤ ብእምነት ሕጊ እዩ እምበር።
ኣቱም ፍቑራት ኣሕዋተይ፥ እስኪ ስምዑ፤ እግዚኣብሄር ነቶም ዘፍቅርዎ ዘተስፈዎም፥ መንግስቲ፥ ምእንቲ ኽወርሱ፥ ብእምነት ሃብታማት ክኾኑ፥ ነቶም ድኻታት እዛ ዓለምዶ ኣይሓረዮምን እዩ?
“እግዚኣብሄር፥ ንዕቡያት ይፃረሮም፤ ንትሑታት ግና፥ ፀጋ ይህቦም” ከም ዝብል፥ ንሱ ኣብዚሑ እዩ ፀጋ ዝህብ።