Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ዘካርያስ 12:5 - መፅሓፍ ቅዱስ

5 ሽዑ ኣሕሉቕ ይሁዳ ብልቦም ‘ኣብ ኢየሩሳሌም ንዝነብሩ ብኣምላኾም ብጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ብርታዐ ኣሎ’ ኽብሉ እዮም።

Ver Capítulo Copiar




ዘካርያስ 12:5
28 Referencias Cruzadas  

ነእዳወይ ውግእ፥ ነፃብዕተይ ሰልፊ ዝመሃረን እግዚኣብሄር ኣምላኸይ ይባረኽ።


ሓይሊ የዕጥቐኒ፥ ንመንገደይውን የቕንዐለይ፤


ብጊዜ ሰልፊ ሓይሊ ተዕጥቐኒ፤ ንዅሎም እቶም ኣብ ልዕለይ ዝቖሙ ኣብ ትሕተይ ተግዝኦም።


ኣምላኽና መዕቘቢናን ሓይልናን፥ ብዝረኸበና ብርቱዕ መከራውን ረዳኢና እዩ።


ኣቱም መራሕቲ ሰዶም ቓል እግዚኣብሄር ስምዑ፤ ኣቱም ህዝቢ ገሞራውን፥ ናብ ሕጊ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ፅን በሉ።


ገዛእትኺ ሸፋቱን ኣዕርኽቲ ጐሓሉትን እዮም፤ ኵሎም ጉቦ ይፈትዉ፤ ደድሕሪ ጉቦውን ይጐዩ፤ ንደኽታም ፍትሒ ኣየውፅኡሉን፤ ጥርዓን መበለት ከዓ ኣብኣቶም ኣይበፅሕን እዩ።


ንፈራዶኺ ኸምቶም ቀደም ዝነበሩ፥ መማኽርትኺ ድማ ኸምቶም ብመጀመርታ ዝነበሩ ኽመልሶም እየ። ድሕሪኡ ኸተማ ፅድቂ፥ እምንቲ ኸተማ ተብሂልኪ ኽትፅውዒ ኢኺ።”


በታ መዓልቲ እቲኣ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ ነቶም ተረፍ ህዝቡ፥ ዘውዲ ኽብርን ሽልማት ኣኽሊልን ክኾኖም እዩ።


ንሱ ነቲ ኽፈርድ ዝቕመጥ፥ መንፈስ ፍትሒ፥ ነቶም ንውግእ ናብ ኣፍ ደገ ዝመልሱ ኸዓ ሓይሊ ክኾኖም እዩ።


እግዚኣብሄር፥ መንፈስ ከቢድ ድቃስ ኣውዲቑልኩም እዩ እሞ፥ ነዒንትኹም ደፈነ፤ ንነቢያትን ንመራሕትኹምን ንሰብ ራእይን ከዓ ኣዐመቶም።


እንሆ፥ ንጉስ ብፅድቂ ይነግስ፤ መሳፍንትውን ብፍትሒ ይገዝኡ።


“ብዛዕባይ ከዓ ‘ፅድቅን ሓይልን፥ ኣብ እግዚኣብሄር ጥራሕ እዩ ዘሎ’ ኽብሉ እዮም። ኣብ ልዕሊኡ ብቝጥዓ ዝተልዓሉ ዅሎም፥ ናብኡ ኽመፁን ክሓፍሩን እዮም።


“ክንዲ ነሃስ ወርቂ፥ ክንዲ ሓፂን ብሩር፥ ክንዲ ዕንፀይቲ ነሃስ፥ ክንዲ እምኒውን ሓፂን ከምፅአልኪ እየ፤ መራሕትኺ ‘ሰላም’፥ ገዛእትኺ ድማ ‘ፅድቂ’ ኽገብር እየ፤


መራሒኦም ካብኣቶም ክኸውን እዩ፤ ገዛኢኦም ከዓ ኻብ ማእኸሎም ክትስእ እዩ፤ ናባይ ከቕርቦ እየ፤ ንሱውን ክቐርበኒ እዩ፤ እንተ ዘይኮይኑ ናባይ ደፊሩ ዝቐርብ መን እዩ? ይብል እግዚኣብሄር።


ሽዑ ንዘርኢ ያእቆብን ንባርያይ ዳዊትን ክድርብዮ እየ። ካብ ዘርኢ ዳዊት ሓደ ኣብ ልዕሊ ዘርኢ ኣብርሃምን ይስሓቅን ያእቆብን ዝገዝኡ ኣየተስእን እየ። ንምርኮኦም ክመልሶ እየሞ፤ ክምሕሮምውን እየሞ።”


እግዚኣብሄር ካብ ፅዮን፥ ድምፁ ልዕል ኣቢሉ የስምዕ፤ ድምፁውን ልዕል ኣቢሉ፥ ካብ ኢየሩሳሌም ቃሉ ይህብ፤ ሰማይን ምድርን ከዓ የንቀጥቅጡ፤ ግናኸ እግዚኣብሄር ንህዝቡ መዕቘቢ፥ ንደቂ እስራኤል ድማ ዕርዲ ክኸውን እዩ።


ብኣምላኾም ብእግዚኣብሄር ከበርትዖም እየ፤ ብስሙውን ክምክሑ እዮም” ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር።


“ፈትየዮም እየሞ፥ ንቤት ይሁዳ ኸበርትዖም እየ፤ ንቤት ዮሴፍ ድማ ኸድሕኖም እየ፤ ከደላድሎምውን እየ። ስለ ዝርህርሀሎም፥ ናብ ዓዶም ክመልሶም እየ፤ ከም ዘይሓደግክዎምውን ክኾኑ እዮም። ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኾም እየሞ፥ ፀሎቶም ክሰምዖም እየ፤ ከም ዘይደርበኹዎምውን ክኾኑ እዮም።


በታ መዓልቲ እቲኣ፥ ንዅሉ ኣፍራስ ብድንጋፀ፥ ንዝቕመጥዎም ሰባት ድማ ብዕብዳን ክወቅዕ እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር። ንቤት ይሁዳ ብዓይነይ ክሕሉ እየ፤ ኣዒንቲ ዅሎም ኣፍራስ ኣህዛብውን ከዕውር እየ።


“በታ መዓልቲ እቲኣ፥ ኣነ ነሕሉቕ ይሁዳ፥ ኣብ ማእኸል ዱር ከም ዝነድድ ሓዊ፥ ኣብ ማእኸል እንዳእቲ ኸዓ፥ ከም ሃልሃልታ ሓዊ ኽገብሮም እየ። ነቶም ብየማነ ፀጋም ዘለዉ ዅላቶም ኣህዛብ ከዓ፥ ክበልዕዎም እዮም፤ ብድሕሪኡ ኢየሩሳሌም ኣብ ስፍራኣ ንሓዋሩ መንበሪ ኽትከውን እያ።


ይሁዳ ድማ፥ ኣብ ውሽጢ ኢየሩሳሌም ኮይኑ ኽዋጋእ እዩ፤ ሃብቲ ዅሎም እቶም ኣብ ዙርያ ዘለዉ ኣህዛብ፥ ብዙሕ ወርቅን ብሩርን ክዳውንትን ድማ ኽእክብ እዩ።


ልበይ ምስቶም ኣብ ማእኸል ህዝቢ ፈትዮም ርእሶም ዝወፈዩ፥ ምስቶም መራሕቲ እስራኤል እዩ፤ ንእግዚኣብሄር ኣመስግንዎ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos