4 በታ መዓልቲ እቲኣ፥ ንዅሉ ኣፍራስ ብድንጋፀ፥ ንዝቕመጥዎም ሰባት ድማ ብዕብዳን ክወቅዕ እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር። ንቤት ይሁዳ ብዓይነይ ክሕሉ እየ፤ ኣዒንቲ ዅሎም ኣፍራስ ኣህዛብውን ከዕውር እየ።
ኣብዛ ቤተ መቕደስ እዚኣ፥ ናብዛ ‘ስመይ ኣብኣ ክኸውን እዩ’ ዝበልካያ ቦታ፥ ኣዒንትኻ ለይትን መዓልትን ይጠምታ። ነቲ ኣነ ባርያኻ ኣብዛ ቦታ እዚኣ ዝፅልዮ ፀሎትውን ስማዕ።
ሽዑ ኣፍራስን ሰረገላታትን ብዙሕ ሰራዊትን ናብኣ ሰደደ፤ ብለይቲ መፂኦም ድማ ነታ ኸተማ ኸበብዋ።
እቶም ሰራዊት ሶርያ ናብኡ ኣቢሎም ምስ ወረዱ ኸዓ ኤልሳዕ “እልምነካ ኣለኹ፤ ነዚ ህዝቢ እዙይ ኣዕውሮ” ኢሉ ናብ እግዚኣብሄር ፀለየ። ከምቲ ቓል ኤልሳዕ ድማ ኣዕወሮ።
“ሕዚ ኸዓ ኦ ኣምላኸይ! ኣዒንትኻ ናባና ዝጥምታ፥ ኣእዛንካውን ዘዳምፃ ክኾና እልምነካ ኣለኹ።
ሕዚ እውን ኣብዛ ቦታ እዚኣ ንዝፅለ ፀሎት ኣዒንተይ ክኽፈታ፥ ኣእዛነይውን ፅን ክብላ እየን።
እዝ ኣነ ባርያኻ ሎሚ ብዛዕባ ባሮትካ ደቂ እስራኤል ለይትን መዓልትን ኣብ ቅድሜኻ ዝፅልዮ ዘለኹ ፀሎት ብእዝንኻ ፅን ኢልካ ስምዐኒ፤ ኣዒንትኻ ይከፈታ፤ እቲ ኣብ ልዕሌኻ ዝገበርናዮ ሓጢኣት ደቂ እስራኤልውን እናዘዘልካ ኣለኹ፤ ኣነን ቤት ኣቦይንውን በዲልና ኢና።
በታ መዓልቲ እቲኣ ኸምዙይ ክኸውን እዩ፦ እግዚኣብሄር ኣብ ላዕሊ ንዘለዉ ሰራዊት ኣብ ላዕሊ፥ ኣብ ምድሪ ንዘለዉ ነገስታት ድማ ኣብ ምድሪ ኽቐፅዖም እዩ።
ኦ እግዚኣብሄር፥ እዝንኻ ፅሎ እሞ ስማዕ፤ ኦ እግዚኣብሄር፥ ኣዒንትኻ ኽፈት እሞ ረአ፤ ነተን ሰናክሬም ንኣኻ ንህያው ኣምላኽ ክፀርፍ ኢሉ፥ ዝለኣኸን ኵለን ቃላት ስምዓየን።
ዓይነይውን ንፅቡቕ ኣብ ልዕሊኣቶም ክገብር እየ፤ ናብዛ ሃገር እዚኣውን ክመልሶም እየ። ክሃንፆም እምበር ኣየፍርሶምን፥ ክተኽሎም እምበር ኣይነቕሎምን እየ።
ክመልሰካ ኣብ ምንጋጋኻ ልጓም ክገብር እየ፤ ንኣኻ ምስ ኵሉ ሰራዊትካ ኣፍራስን ፈረሰኛታትን ኵላቶም ድርዒ ዝለበሱ ብዙሓት ጭፍራን፥ ዋልታን ቍራዕን ዘለዎም፥ ኵላቶም ሰይፊ ዝሓዙ፥ ምስኣቶም ከዓ ሰብ ፋርስን ኢትዮጵያን ፉጥን፥ ኵላቶም ዋልታን ቍራዕ ርእስን ዘለዎም ዓብዪ ጭፍራ ገይረ ኸውፅአካ እየ።
ኣብ ሰደቃይ ብኣፍራስን ብፈረሰኛታትን ብሓያላትን ብተዋጋእትን ክትፀግቡ ኢኹም” ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
ኦ ኣምላኽ እዝንኻ ፅን ኣቢልካ ስማዕ፤ ዓይንኻውን ቋሕ ኣብልሞ ምጥፋእናን፥ ስምካ ዝተፀውዐሉ ኸተማን ተመልከት፤ እቲ እነቕርቦ ልመና ስለ ፅድቅና ዘይኮነስ፥ ስለ እቲ ዓብዪ ምሕረትካ እዩ።
ኣብ ጊዜ ውግእ ንፀላእቶም ኣብ መንገዲ ንዘሎ ጭቃ ኸም ዝረጋግፁ ሓያላት ክኾኑ እዮም፤ እግዚኣብሄር ምስኣቶም ስለ ዝኾነ ኸዓ ኽዋግኡ እዮም፤ እቶም ፈረሰኛታትውን ከዋርዱ እዮም።
በታ መዓልቲ እቲኣ፥ ከምቲ ንሃዳድሪሞን ኣብ ጐልጐል መጊዶ ዝበኸዩሉ ብኽያት፥ ከምኡ ኣብ ኢየሩሳሌም ዓብዪ ብኽያት ክኸውን እዩ።
በታ መዓልቲ እቲኣ፥ ንኢየሩሳሌም ንዅሎም ኣህዛብ ከቢድ እምኒ ኽገብራ እየ፤ እቶም ኵሎም ክስከምዋ ዝፍትኑ፥ ንባዕላቶም የመና ኽቘስሉ እዮም፤ ኵሎም ኣህዛብ ምድሪ እውን፥ ኣብ ልዕሊኣ ኽእከቡ እዮም።
ሽዑ ኣሕሉቕ ይሁዳ ብልቦም ‘ኣብ ኢየሩሳሌም ንዝነብሩ ብኣምላኾም ብጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ብርታዐ ኣሎ’ ኽብሉ እዮም።
“በታ መዓልቲ እቲኣ፥ ኣነ ነሕሉቕ ይሁዳ፥ ኣብ ማእኸል ዱር ከም ዝነድድ ሓዊ፥ ኣብ ማእኸል እንዳእቲ ኸዓ፥ ከም ሃልሃልታ ሓዊ ኽገብሮም እየ። ነቶም ብየማነ ፀጋም ዘለዉ ዅላቶም ኣህዛብ ከዓ፥ ክበልዕዎም እዮም፤ ብድሕሪኡ ኢየሩሳሌም ኣብ ስፍራኣ ንሓዋሩ መንበሪ ኽትከውን እያ።
ኣብ ልዕሊ ፈረስን በቕልን ግመልን ኣድግን፥ ኣብቲ ሰፈር እቱይ ኣብ ልዕሊ ዘሎ ዅሉ እንስሳን ዘፅንት መዓት ክወርድ እዩ።
ኣነ ኸዓ ዝኾነ ኸይኣትዋን ከይምለሳን፥ ንቤተይ ከም ሓላዊ ሰራዊት ሰፈር ገይረ ኽሕልዋ እየ። ጭንቆም ሪአ እየሞ፥ ድሕሪ ደጊም ንህዝበይ ጨቈንቲ ኣይሓልፍዎምን።”
እግዚኣብሄር ነቲ ዘመን ድንቍርና፥ ሸለል ኢሉ ኣሕሊፍዎ ኣሎ። ሕዚ ግና፥ ኣብ ኵሉ ዓለም ዘሎ ዅሉ ሰብ፥ ክንሳህ ኣዚዙ ኣሎ።
እግዚኣብሄር፥ ብዕብዳንን ብዕውራንን ብድንጋፀን ክወቕዐኩም እዩ።