Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ዘካርያስ 11:16 - መፅሓፍ ቅዱስ

16 “እንሆ፥ ኣብ ልዕሊ እዛ ሃገር ጓሳ ኸተስእ እየ። ንሱ ንዝጠፍአ ኣይዝክርን፤ ከርተት ንዝብል ኣይደልን፤ ንዝተሰበረ ኣይፅግንን፤ ነቲ ዝደሓነ ኸዓ ኣይቕልብን እዩ፤ ግና ስጋ ስቡሓት ይበልዕ፤ ሸኾናኣቶምውን ይቆረጣጥም።

Ver Capítulo Copiar




ዘካርያስ 11:16
16 Referencias Cruzadas  

ዕስራ ዓመት ምሳኻ ነበርኩ፤ ካብ ጤለ በጊዕኻ ዘውሃየት ኣይነበረትን፤ ካብ መጓሰኻውን ሓደ ጡበት በጊዕ እኳ ኣይበላዕኹን።


ያእቆብ ግና፥ “እዞም ቈልዑ ዘይጠንከሩ ህፃናት ከም ዝኾኑ፥ ዘጥብዋ ጤለ በጊዕን ከፍትን ከዓ ኸም ዘለዋኒ፥ ጐይታይ ትፈልጥ ኢኻ። ሓደ መዓልቲ እኳ ብታህዋኽ እንተ ዀብኰብናየን ኵለን መጓሰ ኽሞታ እየን።


ንሱ ንመጓሰኡ ኸም ጓሳ የውፍረን፤ ንመሓሲኡ ኣኪቡ ኣብ ሕቝፉ ይስከመን፤ ነተን ዘጥብዋ ድማ ብህድኣት ይመርሐን።


እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፥ ብዛዕባ እቶም ንህዝቡ ዝሕልዉ ጓሶት ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ንስኻትኩም ንመጓሰይ በተንኩምወን ኣባረርኩምወን፤ ጥንቃቐውን ኣይገበርኩምለንን። እንሆ፥ ንኽፍኣትኩም ግቡእ ቅፅዓት ከምፅአልኩም እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር።


ብምኽረይ ፀኒዖም ነይሮም እንተ ዝኾኑስ፥ ቃለይ ንህዝበይ መስምዕዎም፤ ካብ ክፉእ መንገዶምን ካብ ክፉእ ስራሖምውን ምመለስዎም ነይሮም።


እግዚኣብሄር ኣምላኽ፥ እንሆ ኣብ ልዕሊ ጓሶት እየ፤ ኣባጊዐይ ከዓ ኻብ ኢዶም ክደልየን እየ። እቶም ጓሶት መሊሶም ንርእሶም ከይጓስዩስ፥ ጓስነት ኣባጊዐይ ከሕድጎም እየ፤ ድሕሪዙይ ቀለቦም ከይኾና ድማ፥ ካብ ኣፎም ክምንዝዐን እየ፤ ይብል ኣሎ።”


“ዝጠፍአት ክደሊ፥ እተባረረት ክመልስ፥ እተሰብረት ክፅግን፥ ዝደኸመት ከዓ ኸበርትዕ፥ ነታ ዝሰብሐትን ዝበርትዐትን ግና ኸጥፍእ፥ ብፍትሒውን ክጓስየን እየ።


ንዅለን እተን ዝሓመቓ፥ ክሳዕ ሰጒጕኩም ፋሕ እተብልወን፥ ብጐድንን ብማእገርን ስለ ዝጐነፅኩምወን፥ በቕርንትኹም ድማ ስለ ዝወጋእኹምወን፥


“እቲ ውሱን ጊዜ ኽሳዕ ዝመፅእ፥ እግዚኣብሄር ከዓ ኽሳዕ ዝቐፅዖ፥ እቲ ንጉስ ከም ዝደለዮ ኽገብር እዩ። ርእሱ ኸልዕል፥ ኣብ ልዕሊ ኣማልኽቲ ኽዕበ፥ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣምላኽ ኣማልኽቲ ዝኾነ እግዚኣብሄር ድማ፥ ክፉእ ቃል ትዕቢት ክዛረብ እዩ። ዘመን ቍጥዓ ኽሳዕ ዝፍፀም ክሰልጠሉ እዩ፤ እቲ ውሱን ነገርውን ክፍፀም እዩ።


“ብሓቂ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፥ እቲ ናብ ደምበ ኣባጊዕ ብበሪ ዘይኣቱ፥ ብኻልእ ወገን ደዪቡ ዝኣቱ፥ ንሱ ሰራቕን ጕሒላን እዩ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios