10 ሽዑ ኣነ ምስ ኵሎም ህዝብታት፥ ዝኣተኹዎ ቓል ኪዳን ምእንቲ ኸፍርስ ነታ “ሞገስ” ዝስማ በትረይ ወሲደ ሰበርክዋ።
ካብ ፅባቐ ኽብሩ ኻብ ፅዮን፥ እግዚኣብሄር ብገሃድ ክመፅእ እዩ።
ኪዳን ባርያኻ ኣፍረስካ፤ ንመቕደሱውን ኣብ ምድሪ ኣርከስካ።
ናይ እግዚኣብሄር ኣምላኽና፥ ብርሃን ኣብ ልዕሌና ይኹን፤ ተግባር ኣእዳውናውን ኣቕንዐልና።
ስለ ስምካ ኢልካ ኣይትንዓቐና፤ ነቲ ዙፋን ክብርኻውን ኣይተዋርዶ፤ ነቲ ምሳና ዝኣተኻዮ ኺዳን፥ ዘክር እምበር ኣይተፍርሶ።
ድሕሪ ሸውዓተ ሻዕ ስሳን ክልተን ዓመታት መሲሕ ክቕተል እዩ፤ ንባዕሉ ግና ኣይኮነን። ሰራዊት እቲ ዝመፅእ ሓለቓ ድማ፥ ነታ ኸተማን ነቲ ቤተ መቕደስን ክድምስስ እዩ። መወዳእታ ጥፍኣታ ድማ ኸም ውሕጅ ክመፅእ እዩ። ውግእ ክሳዕ መወዳእታ ክኸውን፥ ጥፍኣትውን ተወሲኑ እዩ።
እግዚኣብሄር ድማ ንሆሴዕ “ንስኻትኩም ህዝበይ ኣይኮንኩምን፤ ኣነውን ኣምላኽኩም ኣይኮነኩምን እሞ፥ ‘ሎዓሚ’ ኢልካ ስመዮ” በሎ።
ኣነውን ነተን ንማሕረዲ ዝተፈለያ ኣባጊዕ፥ ብፍላይኳ ነተን መሳኺን መጓሰ ኣባጊዕ፥ ጓሰኹ። ክልተ በትሪ ድማ ወሰድኩ፤ ነታ ሓንቲ “ፅባቐ” ነታ ሓንቲ ኸዓ “መእሰሪ” ኢለ ሰመኽወን፤ ነተን መጓሰውን ሓለኹወን።
ከም ቍፅሪ እተን ነታ ሃገር ዝሰለልኩምለን መዓልቲታት፥ ኣርብዓ ዓመት ዝገበርኩም፥ ሓንቲ ዓመት ክንዲ ሓንቲ መዓልቲ እናገበርኩም፥ ኣርብዓ ዓመት ሓጢኣትኩም ክትፆሩ ኢኹም፤ ቍጥዓይውን ኽትፈልጡ ኢኹም።
እዝ ዅሉ ኽሳዕ ዝኸውን፥ እዝ ትውልዲ እዙይ ከም ዘይሓልፍ፥ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ።
ስለዙይ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዙይ ይብል፦ ‘ኣነስ ንቤትካን ንቤት ኣቦኻን ንዘለኣለም ከገልግሉኒ እዮም ኢለ ነይረ’ ደጊም ግና ‘ኣይኸውንን፤ ኣነስ ነቶም ዘኽብሩኒ ኣኽብሮም፤ እቶም ዝንዕቑኒ ኸዓ ኽናዓቑ እዮም፤ እዙይስ ካባይ ይርሓቕ’ ይብል እግዚኣብሄር።