Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ዘካርያስ 11:1 - መፅሓፍ ቅዱስ

1 ኣታ ሊባኖስ፥ በርታትካ ኽፈት፤ ሓዊውን ንዝግባታትካ ትብላዕ።

Ver Capítulo Copiar




ዘካርያስ 11:1
14 Referencias Cruzadas  

ኣቲ ኣብ ሊባኖስ እትነብሪ፥ ኣጒዶኺውን ብዕንፀይቲ ዝግባ እትሰርሒ፥ ኣብ ልዕሌኺ መከራ እንትመፅእ፥ ሕርሲ ኸም ዝሓዛ ሰበይቲ፥ ኣውያትኪ ኸመይ ይኸውን!


“እንሆ ኣሶር ጨናፍሩ ዝፅቡቕ፥ ፅላሉ ዝዕሙር፥ ቁመቱ ዝነዊሕ፥ ርእሱ ኣብ ማእኸል ደመና ኸም ዝነበረ፥ ከም ኦም ሊባኖስ ነበረ።


ደም ሰብ ስለ ዘፍሰስካ፥ ኣብ ልዕሊ እታ ምድርን፥ ኣብ ልዕሊ እታ ኸተማን፥ ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብኣ ዝነብሩን ዝፈፀምካዮ ግፍዒ ኣብ ልዕሊ ሊባኖስ ዝሰራሕኻዮ ግፍዒ፥ ክኸድነካ እዩ፤ ሓደጋ ኣራዊትውን ከደንግፀካ እዩ።


ንደም ሰብ ስለ ዘፍሰስካ፥ በታ ምድርን በታ ኸተማን ብቶም ኣብኣ ዝነብሩ ኵላቶምን፥ ስለ ዝፈፀምካዮ ግፍዒ፥ ንስኻ ንብዙሓት ኣህዛብ ዘሚትካ ኢኻሞ፥ ኵሎም እቶም ካብ ኣህዛብ ዝተረፉ ክዘምቱኻ እዮም።


ናብ እምባታት ደይቡ፤ ዕንፀይቲ ኣምፅኡ፤ ነቲ ቤትውን ስርሕዎ። ኣነ ብእኡ ኽሕጐስ እየ፤ ክምስገነሉውን እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር።


ካብ ምድሪ ግብፂ ኽመልሶም እየ፤ ካብ ኣሶርውን ክእክቦም እየ፤ ናብ ምድሪ ገለዓድን ሊባኖስን ከምፅኦም እየ፤ ብቑዕ ቦታውን ኣይርከበሎምን።


ኣታ ኦም ፅሕዲ፥ ዝግባ ሊባኖስ ወዲቑ እዩሞ፥ ክቡራትውን ጠፊኦም እዮምሞ፥ ዋይ ዋይ በል። ኣቱም ኣእዋም ባሳን፥ እቲ ፀምፀም ዱር ተቘሪፁ እዩ እሞ፥ ዋይ ዋይ በሉ።


“በታ መዓልቲ እቲኣ፥ ኣነ ነሕሉቕ ይሁዳ፥ ኣብ ማእኸል ዱር ከም ዝነድድ ሓዊ፥ ኣብ ማእኸል እንዳእቲ ኸዓ፥ ከም ሃልሃልታ ሓዊ ኽገብሮም እየ። ነቶም ብየማነ ፀጋም ዘለዉ ዅላቶም ኣህዛብ ከዓ፥ ክበልዕዎም እዮም፤ ብድሕሪኡ ኢየሩሳሌም ኣብ ስፍራኣ ንሓዋሩ መንበሪ ኽትከውን እያ።


ብቝጥዓይ ሓዊ ነዲዱ እዩ እሞ፥ ክሳዕ ታሕተዋይ ሲኦል ክነድድ እዩ፤ ንምድሪ ምስ ፍሪኣ ኽበልዓ እዩ፤ መሰረታት እምባ ድማ ኸቃፅል እዩ።”


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos