9 ኣብ መንጎ ህዝብታት እኳ እንተ በተንክዎም፥ ኣብ ርሑቕ ኮይኖም ክዝክሩኒ እዮም፤ ምስ ደቆምውን ብህይወት ክነብሩን፥ ናብ ዓዶም ክምለሱን እዮም።
ናባይ እንተ ተመሊስኩምን ትእዛዛተይ እንተ ሓሊኹምን እንተ ገበርኩምዎን ግና፥ እቶም ካባኻትኩም ፋሕ ዝበሉ፥ ክሳዕ ወሰን ሰማይ እኳ እንተ ተበተኑ፥ ካብኡ ኽእክቦም እየ፤ ናብታ ስመይ ኣብኣ ኽነብር ዝሓረኽዋ ስፍራ ድማ ኸምፅኦም እየ።’
ኣብ ኵለን ሃገራትን ኣብ ኵለን ከተማታትን ቃል ንጉስን ትእዛዙን ናብ ዝበፅሖ ዅሉ ቦታ ንኣይሁድ ሓጐስን ደስታን ኮነሎም፤ ብመብልዕን መስተን ድማ ዓብዪ በዓል ገበሩ። ካብ ህዝብታት እታ ምድሪ ኸዓ፥ ንኣይሁድ ስለ ዝፈርሑ፥ ብዙሓት ሰባት ኣይሁድ ኮኑ።
“ኣታ ያእቆብ፥ ኣታ እስራኤልውን፥ ባርያይ ኢኻ እሞ እዙይ ዘክር፤ ኣነ ፀዊዐካ ኣለኹ፤ ንስኻውን ባርያይ ኢኻ፤ ኦ እስራኤል ከቶ ኣይርስዐካን እየ።
ነቶም ዝፅበይዎ ኸምቲ ንስኻ ዝገበርካሎም ዝገብር፥ ካልእ ኣምላኽ ካብ ጥንቲ ኣይተሰምዐን፤ ኣብ እዝኒ ኣይተነግረን፥ ብዓይኒውን ኣይተርኣየን።
ንሳቶምን ደቆምን ዘርኢ እቶም ብሩኻት እግዚኣብሄር እዮም እሞ፥ ንኸንቱ ኣይፅዕሩን፥ ብድንገት ዝሞቱ ደቂውን ኣይወልዱን እዮም።
ካብ ዘርኢ ያእቆብን ዘርኢ ይሁዳን ዝኾኑ፥ ንእምባታተይ ዝወርሱ ኸውፅእ እየ፤ እቶም ሕሩያተይ ክወርስዋ፥ እቶም ባሮተይ ከዓ ኣብኣተን ኽነብሩ እዮም።
“እንሆ፥ ቤት እስራኤልን ቤት ይሁዳን፥ ብዘርኢ ሰብን እንስሳን ዝዘርኡሉ ጊዜ ኽመፅእ እዩ” ይብል እግዚኣብሄር።
“ኣቱም ካብ ሰይፊ ዘምለጥኩም ኪዱ! ደው ኣይትበሉ! ኻብ ርሑቕ ንእግዚኣብሄር ዘክሩ፤ ንኢየሩሳሌምውን ኣብ ልብኹም ሕሰቡ።
እቶም ዘምለጡ ሰብኩም ከዓ፥ ነቲ ኻባይ ዝዘምበለ ዘማዊ ልቦምን፥ ነተን ክዝምዋ ደድሕሪ ጣዖታቶም ዝኸዳ ኣዒንቶምን ምስ ሰባበርኩ፥ ኣብቲ ዝማረኽዎም ኣብ ማእኸል ህዝብታት ኮይኖም ክዝክሩኒ እዮም፤ በቲ ብዅሉ ርኽሰቶም ዝገበርዎ ኽፍኣት ከዓ ንርእሶም ክፍንፍኑ እዮም።
ኣብ ምድሪ ንኣይ ክዘርኣ እየ፤ “ነታ ምሕረት ዘይረኸበት” ንዝተብሃለት ክምሕራ እየ፤ ነቲ “ዘይህዝበይ” ዝተብሃለ ድማ “ንስኻ ህዝበይ ኢኻ” ኽብሎ እየ፤ ንሱውን “ኣምላኸይ ኢኻ” ኽብለኒ እዩ።
“እንሆ፥ ኣነ ኽእዝዝ እየ፤ ንቤት እስራኤል ከዓ ኸምቲ እኽሊ ብመንፊት ዝንፈ፥ ኣብ ማእኸል ኵሎም ኣህዛብ ክነፍዮም እየ፤ ግናኸ ሓንቲ ፍረ እኳ ኣብ ምድሪ ኣይትወድቕን እያ።
እቲ ተረፍ ያእቆብ፥ ኣብ ማእኸል ብዙሓት ኣህዛብ፥ ከምቲ ኻብ እግዚኣብሄር ዝወርድ ጠሊ፥ ኣብ ልዕሊ ሳዕሪ ኸም ዝወርድ ካፋ ንሰብ ከም ዘይሕሉ፥ ኣብ ደቂ ሰባትውን ተስፋ ኸም ዘይገብር ክኸውን እዩ።
ሳውል ድማ ኣብ ቅትለት እስጢፋኖስ ተሓባቢሩ ነበረ። በታ መዓልቲ እቲኣ ኸዓ፥ ኣብ ልዕሊ እታ ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነበረት ቤተ ክርስቲያን ብርቱዕ ስደት ኮነ። እንትርፊ ሃዋርያት፥ ኵሎም ናብ ሃገር ይሁዳን ሰማርያን ተበተኑ።
እቶም ዝተበተኑ ሰባት ግና፥ ኣብ ኵሉ ዝኸድዎ፥ ቃል ወንጌል ሰበኹ።
ንስኻ ኻብቲ ብፍጥረቱ ኣውሊዕ በረኻ ዝተቘረፅካ፥ ኣብዘይ ፍጥረትካ፥ ኣብ ሰናይ ኣውሊዕ ኻብ ተተኸልካስ፥ እቶም ብፍጥረቶም ጨናፍር ኣውሊዕ ዝነበሩ ግዳ፥ ክንደይ ኣብቲ ናይ ባዕልቶም ኣውሊዕ ዘይትከሉ!