7 ሰባት ኤፍሬም ከም ሓያላት ሰባት ክኾኑ እዮም፤ ልቦምውን ወይኒ ኸም ዝሰተየ ሰብ ክሕጐስ እዩ። ደቆምውን ነዙይ ሪኦም ክሕጐሱ እዮም፤ ልቦምውን ብእግዚኣብሄር ሓሴት ክገብር እዩ።”
ፅድቅን ፍትሕን ብምግባር፥ መንገዲ እግዚኣብሄር ምእንቲ ኽሕልዉ፥ ንደቁን ብድሕሪኡ ኸዓ ንቤቱን ኸም ዝእዝዞም እፈልጥ እየሞ፥ እዙይውን እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ኣብርሃም ዝተዛረቦ ዅሉ ምእንቲ ኸምፅእ እዩ።”
ካብቲ ኣብ ቅድሚ ዮሴፍ ዝነበረ ምግቢ ኸዓ ገግደኦም ኣቕረቡሎም፤ ንብንያም ድማ ሕልፊ ዅሎም ኣሕዋቱ ሓሙሽተ ኢድ ኣቕረቡሉ። ስለዙይውን ሰትዮም ምስኡ ተሓጐሱ።
ደቂ ኣገልገልትኻ ኽነብሩ እዮም፤ ዘርኦምውን ንዘለኣለም ፀኒዑ ኽነብር እዩ።
ወይኒ ንልቢ ሰብ የሐጕስ፤ ዘይቲውን ንገፅ የብርህ፤ እኽሊውን ንብርኪ ሰብ የጠንክር።
ኣነ ግና ብምሕረትካ እውከል ኣለኹ፤ ልበይውን ብምድሓንካ ይሕጐስ።
እግዚኣብሄር ሓይለይን ዋልታይን እዩ፤ ልበይ ብእኡ ኣመነ፤ ኣነውን ተረዳእኹ፤ ስጋይ ደስ ይብሎ፤ ፈቒደውን አመስግኖ።
ልብና ብእኡ ይሕጐስ ኣሎሞ፥ ብቅዱስ ስሙ ተኣሚንና ኢናሞ።
ኦ ጐይታ፥ ናብ ስራሕኻን ናብ ኣገልገልትኻን ረአ፤ ንደቆምውን ምርሓዮም።
በታ መዓልቲ እቲኣ “እንሆ፥ ኣምላኽና እዙይ እዩ! ተስፋና ኣብኡ ገበርና፤ ንሱ ኸዓ ኸድሕነና እዩ፤ እግዚኣብሄር እዙይ እዩ፤ ተስፋና ኣብኡ ገበርና፤ ብምድሓኑ ንተሓጐስ፤ ደስውን ይበለና” ክበሃል እዩ።
ከምቲ ኣነ ሎሚ ዝገብሮ ዘለኹ፥ እቶም ህያዋን ንሳቶም የመስግኑኻ፤ ንስኻ እሙን ከም ዝኾንካ፥ ወለዲ ንደቆም የፍልጥዎም።
“ኵሎም ደቅኺ፥ ብእግዚኣብሄር ዝተምሃሩ ክኾኑ እዮም፤ ሰላም ደቅኺውን ዝዓበየ ክኸውን እዩ።
ልብኹም ከዓ እዙይ ሪኡ ኽሕጐስ እዩ፤ ኣዕፅምትኹም ከዓ፥ ከም ለምለም ሳዕሪ ኽበቍል እዩ። ኢድ እግዚኣብሄር ንዝፈርሕዎ ትፍለጥ እያ፤ ቍጥዓኡ ድማ ኣብ ልዕሊ ፀላእቱ እዩ።”
ንባዕላቶምን ብድሕሪኦም ከዓ ንደቆምን፥ ሰናይ ምእንቲ ክኾነሎም፥ ኵልሻዕውን ክፈርሑኒ፥ ሓደ ልብን ሓደ መንገድን ክህቦም እየ።
ኣብታ ንባርያይ ያእቆብ ዝሃብክዎ፥ ኣቦታትኩም ከዓ ዝነበርዋ ምድሪ ኽነብሩ እዮም። ንሳቶምን ደቆምን ደቂ ደቆምን፥ ንዘለኣለም ኣብኣ ኽነብሩ እዮም፤ ባርያይ ዳዊት ድማ ንዘለኣለም ንጉሶም ክኸውን እዩ።
ኣቱም ደቂ ፅዮን፥ ኣምላኽኩም እግዚኣብሄር፥ ዝናም ፅድያ ብፅድቂ ይህበኩም ኣሎሞ፥ ከም ቀደሙ ዝናም ፅድያን ፅብሓትን፥ የውርደልኩም ኣሎሞ፥ ተሓጐሱ፤ ብእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ድማ፥ ደስ ይበልኩም፤ ንእኡውን ዕልል በሉ።
ኣነ ግና ብእግዚኣብሄር ክሕጐስ እየ፤ ብኣምላኽ ምድሓነይ ሓሴት ክገብር እየ።
ኦ ጓል ፅዮን፥ ዘምሪ፤ ኦ እስራኤል ብሓጐስ ዕልል በል፤ ኦ ጓል ኢየሩሳሌም፥ ብምሉእ ልብኺ ተሓጐሲ፤ ደስ ከዓ ይበልኪ።
በታ መዓልቲ እቲኣ፥ እግዚኣብሄር ኣብ ኢየሩሳሌም ንዝነብሩ ኽምክተሎም እዩ፤ ካብ መንጎኣቶም የመና ድኹም ዝኾነ በታ መዓልቲ እቲኣ ኸም ዳዊት ክኸውን እዩ። ቤት ዳዊትውን ቀቅድሚኣቶም ከም ዝኸይድ፥ ከም መልኣኽ እግዚኣብሄር፥ ከም ኣምላኽ ክኾኖም እዩ።
ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ ንህዝቡ ኸዕቝቦም እዩ፤ ንሳቶም ድማ ኽድምስስዎም እዮም፤ ኣእማን እቲ ወንጭፍ ድማ ኽረግፁ እዮም፤ ከም ወይኒ ኽሰትይዎም እዮም፤ ከም ፅዋዕን ከም መኣዝናት መሰውኢን፥ ዝተማልኡ ክኾኑ እዮም።
ሕያዋይነቱ ኸመይ ዓብዪ እዩ! ፅባቐኡኸ ኸምይ ዓብዪ እዩ! እኽሊ ነጕባዝ፥ ወይኒ እውን ንቘናጁ የለምልም።
መንፈሰይ ከዓ ብኣምላኸይ፥ ብመድሓኒየይ ደስ ይብላ።
ከምኡውን ንስኻትኩም፥ ሕዚ ሓዚንኩም ኣለኹም፤ ግና መሊሰ ኽሪአኩም እየ፤ ልብኹምውን ክሕጐስ እዩ፤ ንሓጐስኩም ድማ፥ ካባኻትኩም ዝወስዶ የለን።
ኣብ ካልኣይ መዝሙረ ዳዊት፦ ‘ንስኻ ወደይ ኢኻ፤ ኣነ ኸዓ ሎሚ ወለድኩኻ’ ዝብል ፅሑፍ ከም ዘሎ፥ እግዚኣብሄር ንኢየሱስ ካብ ሞት ከም ዝትስእ ብምግባር፥ ኣባና ኣብ ደቆም፥ ነዝ ተስፋ እዙይ ፈፀሞ።
ስለዙይ ልበይ ተሓጐሰ፤ ልሳነይ ከዓ ዕልል በለት፤ ስጋይውን ብተስፋ ኽነብር እዩ።
እቲ ተስፋ ንኣኻትኩምን ንደቅኻትኩምን፥ ነቶም እግዚኣብሄር ኣምላኽና ንዝፅውዖም፥ ኣብ ርሑቕ ንዘለዉውን እዩ እሞ” በሎም።
ኵልሻዕ ብጐይታ ተሓጐሱ፤ ደጊመ ተሓጐሱ እብል ኣለኹ።
ንኢየሱስ ክርስቶስ እንተይረአኹምዎ፥ ተፍቅርዎ ኣለኹም፤ ሕዚ እውን ኣይትሪእዎን ዘለኹም፤ ብእኡ ግና ትኣምኑ ኣለኹም፤ ክንገር ብዘይከኣል ምሉእ ሓጐስውን፥ ትሕጐሱ ኣለኹም። ናይ እምነትኩም ፍረ ኸዓ፥ ድሕነት ነፍስኹም ተቐበልኩም።
ሃና ድማ ኸምዙይ ኢላ ፀለየት፦ “ልበይ ብእግዚኣብሄር ፀንዐ፤ ቀርነይውን ብእግዚኣብሄር ልዕል ልዕል በለ። ኣፈይ ኣብ ልዕሊ ፀላእተይ ተኸፈተ። ብምድሓንካውን ተሓጐስኩ።