12 ብኣምላኾም ብእግዚኣብሄር ከበርትዖም እየ፤ ብስሙውን ክምክሑ እዮም” ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር።
ንሱ ድማ ‘እቲ ኣነ ኣብ ቅድሚኡ ዝመላለስ እግዚኣብሄር፥ መልኣኹ ምሳኻ ሰዲዱ መንገድኻ ኸቕንዐልካ እዩ እሞ፥ ንወደይ ካብ ዓሌተይን ካብ ቤት ኣቦይን ሰበይቲ ኽተምፅአሉ ኢኻ።
ሄኖክ ኣካይዳኡ ምስ እግዚኣብሄር ስለ ዝገበረ ኣይተረኽበን፤ እግዚኣብሄር ወሲድዎ እዩሞ።
እምበኣር ኣቱም ቤት ያእቆብ፥ ንዑ ብብርሃን እግዚኣብሄር ንመላለስ።
ኣነ ምሳኻ እየ እሞ፥ ኣይትፍራሕ፤ ኣነ ኣምላኽካ እየ እሞ፥ ኣይትሸበር፤ ከበርትዐካ እየ፤ ክረድአካውን እየ፤ ብፅድቂ የማነይውን ክድግፈካ እየ።
“ብዛዕባይ ከዓ ‘ፅድቅን ሓይልን፥ ኣብ እግዚኣብሄር ጥራሕ እዩ ዘሎ’ ኽብሉ እዮም። ኣብ ልዕሊኡ ብቝጥዓ ዝተልዓሉ ዅሎም፥ ናብኡ ኽመፁን ክሓፍሩን እዮም።
ንቐላፅም ንጉስ ባቢሎን ከበርትዐን ሰይፈይ ድማ፥ ኣብ ኢዱ ኸትሕዞ እየ፤ ንቐላፅም ፈርዖን ግና ኽሰብረን እየ፤ ንሱ ድማ ኸምቲ ንሞት እተወግአ ሰብኣይ ዝቕንዞ፥ ኣብ ቅድሚኡ ኽቕንዞ እዩ።
ኵሎም ኣህዛብ ብስም ኣማልኽቶም ክመላለሱ እዮም፤ ንሕናውን ብስም ኣምላኽና እግዚኣብሄር፥ ንዘለኣለም ክንመላለስ ኢና።
“ፈትየዮም እየሞ፥ ንቤት ይሁዳ ኸበርትዖም እየ፤ ንቤት ዮሴፍ ድማ ኸድሕኖም እየ፤ ከደላድሎምውን እየ። ስለ ዝርህርሀሎም፥ ናብ ዓዶም ክመልሶም እየ፤ ከም ዘይሓደግክዎምውን ክኾኑ እዮም። ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኾም እየሞ፥ ፀሎቶም ክሰምዖም እየ፤ ከም ዘይደርበኹዎምውን ክኾኑ እዮም።
ሽዑ ኣሕሉቕ ይሁዳ ብልቦም ‘ኣብ ኢየሩሳሌም ንዝነብሩ ብኣምላኾም ብጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ብርታዐ ኣሎ’ ኽብሉ እዮም።
ብዝተረፈ ኣሕዋተይ፥ ብጐይታን ብፅንዓት ሓይሉን ጠንክሩ።
በቲ ሓይሊ ዝህበኒ ክርስቶስ፥ ንዅሉ ኽገብሮ እኽእል እየ።
እምበኣር ንጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ተቐበልኩምዎ፥ ብእኡ ንበሩ፤
ብቓል ኮነ ወይ ብግብሪ እትገብርዎ ዅሉ፥ ብስም ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ግበርዎ፤ ብእኡ ኸዓ፥ ንእግዚኣብሄር ኣብ ኣመስግንዎ።
ብዝተረፈ ኣሕዋተይ፥ ንእግዚኣብሄር ምእንቲ ኽተሐጕስዎ፥ ከመይ ጌርኩም ክትነብሩ ኸም ዝግብአኩም፥ ካባና ተምሂርኩም ኢኹም። ድሮ እኳ ትነብርዎ ኣለኹም። ሕዚ ኸዓ ነዙይ ብዝበለፀ ኽትነብርዎ፥ ብጐይታና ኢየሱስ ንልምነኩምን ነተባብዐኩምን ኣለና።
እምበኣር፥ ጢሞቴዎስ ወደይ፥ በቲ ብኢየሱስ ክርስቶስ ዘሎ ፀጋ በርትዕ።