11 ብባሕሪ ጭንቂ ኽሓልፉ እዮም፤ ማዕበል ባሕሪ እውን ክሃድእ እዩ፤ ኵሉ መዓሙቝ ሩባ ኸዓ ይነፅፍ፤ ትዕቢት ኣሶር ክዋረድ፥ በትሪ መንግስቲ ግብፂውን ክውገድ እዩ።
እግዚኣብሄር ንኖህን ነቶም ምስኡ ኣብ መርከብ ዝነበሩ ዅሎም ኣራዊትን ኵሎም እንስሳን ዘከረ። እግዚኣብሄር ኣብ ምድሪ ንፋስ ኣንፈሰ፤ እቲ ማይ ከዓ ጐደለ።
በቲ ካብ ኤልያስ ዝወደቐ ባርኖስ ገይሩ ድማ ነቲ ማይ ዮርዳኖስ ወቕዖ “እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኤልያስ፥ ኣበይ ኣሎ?” ድማ በለ። እቲ ማይ ከዓ ናብዙይን ናብቱይን ተመቕለ፤ ኤልሳዕ ከዓ ተሳገረ።
ሽዑ ኤልያስ ነታ ባርኖሱ ጠቕሊሉ ነቲ ማይ ወቕዖ፤ ናብዙይን ናብቱይን ድማ ተመቕለ፤ ክልቲኦም ድማ ብንቑፅ ተሳገሩ።
እግዚኣብሄር፥ ቤት ኣምላኽ እስራኤል፥ ንምስራሕ ኣእዳዎም ከፅንዕ ኢሉ፥ ንልቢ ንጉስ ኣሶር ናብኣቶም ብምምላሱ ኣሐጒስዎም እዩ እሞ፥ በዓል ቅጫ ሸውዓተ መዓልቲ ብሓጐስ ኣኽበሩ።
ባሕሪ ረአየት፤ ሃደመትውን፤ ዮርዳኖስ ከዓ ንድሕሪት ተመለሰ።
ኣቲ ባሕሪ፥ እንታይ ኴንኪ ኢኺ ዝሃደምኪ? ኣታ ዮርዳኖስከ እንታይ ኴንካ ኢኻ ንድሕሪት ዝተመለስካ?
ንኣሶር ኣብ ሃገረይ ክሰብሮ እየ፤ ኣብ እምባታተይ እውን ክረግፆ እየ። ኣርዑቱውን ካብ ልዕሊኣቶም ክለዓል፥ እቲ ሸኽሚውን ካብ ማእገሮም ክወርድ እዩ።
በታ መዓልቲ እቲኣ ግብፃውያን ከም ኣንስቲ ክኾኑ እዮም፤ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ክቐፅዖም ኢሉ ኢዱ ኽዝርግሕ እንተሎ፥ ራዕራዕ ክብሉን ክድንግፁን እዮም።
ብውሽጢ ማያት እንትትሓልፍ፥ ምሳኻ ክኸውን እየ፤ ብውሕጅ እንትትሳገር፥ ኣየስጥመካን እዩ፤ ብማእኸል ሓዊ እንተ ኸድካ ኸዓ፥ ኣየንድደካን እዩ፤ እቲ ነበልባሉውን ኣየቃፅለካን እዩ።
ንመዓሙቝ ባሕሪ ‘ደረቕ ኩን’ ንሩባታትውን ‘ከንቅፆ እየ’ እብል ኣለኹ።
ንባሕሪ፥ ነቲ ብርቱዕ መዓሙቝ ማያት ዘንፀፍካ፥ እቶም ዝድሓኑ ኽሓልፉ ኸዓ፥ ነቲ ጥልቂ ባሕሪ፥ መንገዲ ዝገበርካዮኸ ንስኻዶ ኣይኮንካን?
ኣታ ቕልፅም እግዚኣብሄር፥ ተልዓል፤ ተልዓል፤ ሓይልኻ ልበስ፤ ከምቲ ብዝሓለፉ ዘመናት፥ ብጥንቲ ትውልድታት ዝገበርካዮ፥ ተልዓል። ረዓብ ንዝበሃል ኣራዊት ዝቘረፅካዮ፥ ነቲ ዓብዪ ገበልውን ዝወጋእኻዮ፥ ንስኻዶ ኣይኮንካን?
እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ንጣዖታት ከጥፍኦም ንምስልታት ካብ ሜምፎስ ከወግዶም እየ፤ ድሕሪዙይ ካብ ምድሪ ግብፂ መስፍን ኣይኸውንን እዩ፤ ናብ ምድሪ ግብፂ ኸዓ ፍርሓት ከምፅእ እየ።
ንሱውን ኢዱ ኣብ ልዕሊ ሰሜን ክዝርግሕ እዩ እሞ፥ ንኣሶር ከጥፍኣ እዩ። ንነነዌ ድማ ኸባድማን፥ ከም ምድረ በዳ ደረቕ ክገብራን እዩ።
እቲ ሻድሻይ መልኣኽውን፥ ፅዋዑ ኣብቲ ዓብዪ ሩባ ኤፍራጥስ ኣፍሰሰ። ነቶም ካብ ምብራቕ ፀሓይ ዝመፁ ነገስታት ድማ፥ መንገዲ ምእንቲ ኽዳለወሎም እቲ ማዩ ነፀፈ።