10 ካብ ምድሪ ግብፂ ኽመልሶም እየ፤ ካብ ኣሶርውን ክእክቦም እየ፤ ናብ ምድሪ ገለዓድን ሊባኖስን ከምፅኦም እየ፤ ብቑዕ ቦታውን ኣይርከበሎምን።
እቲ ንእሽተይ ንሽሕ፥ እቲ የመና ውሑድ ከዓ፥ ንብርቱዕ ህዝቢ ክኸውን እዩ። ኣነ እግዚኣብሄር ነዙይ ብጊዜኡ፥ ቀልጢፈ ኽገብሮ እየ።”
ስለዙይ እግዚኣብሄር ብዛዕባ ቤት ንጉስ ይሁዳ ኸምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ንስኻ ንኣይ ከም ገለዓድን ከም ርእሲ ሊባኖስን ኢኻ፤ ግና ኣነ ብርግፅ ምድረ በዳ፥ ሰብ ዘይነብረለን ከተማታት ክገብረካ እየ።
ንእስራኤልውን ናብ መውፈሪኡ ኽመልሶ እየ፤ ኣብ እምባ ቀርሜሎስን ኣብ ባሳንን፥ ክዋፈር እዩ፤ ሰብነቱውን ኣብ እምባ ኤፍሬምን፥ ኣብ ገለዓድን ክትፀግብ እያ።
ንሱ ይጓዝም፥ እቶም ደቂ ኸዓ እናንቀጥቀጡ፥ ካብ ምዕራብ ይመፁ እሞ፥ ደድሕሪ እቲ ኸም ኣንበሳ ዝጓዝም እግዚኣብሄር ይኸዱ።
ካብ ግብፂ ኸም ዒፍ፥ ካብ ምድሪ ኣሶር ድማ፥ ከም ርግቢ እናንቀጥቀጡ ኽመፁ እዮም፤ ኣነውን ኣብ ኣባይቶም ከንብሮም እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር።
እዙይውን ደቂ እስራኤል ምርኮ ጭፍራኦም፥ ኵሉ ስፍራ ከነዓን ክሳዕ ሰራጵታ ኽወርስ እዩ፤ ኣብ ስፋራድም ዝነበሩ ምሩኻት ኢየሩሳሌም፥ ንኸተማታት ደቡብ ክወርስወን እዮም።
ኣብ ማእኸል ዱር ቀርሜሎስ፥ ንበይናቶም ዝነብሩ ዘለዉ ህዝብኻ፥ መጓሰ ርስትኻ ብበትርኻ ጓስዮም። ከምቲ ናይ ቀደም ዘመን፥ ኣብ ባሳንን ኣብ ገለዓድን ጓስዮም።
ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ እነሆ ኣነ ንህዝበይ ካብ ሃገራት ምብራቕን ምዕራብን ከድሕኖም እየ፤
ከምፅኦም እየ፤ ኣብ ማእኸል ኢየሩሳሌምውን ክነብሩ እዮም፤ ንሳቶም ህዝበይ ክኾኑ እዮም፤ ኣነውን ብሓቅን ብፅድቅን ኣምላኾም ክኸውን እየ።