9 ሽዑ ኣነ “ጐይታይ፥ እዚኣቶም እንታይ እዮም?” በልኩ። እቲ ምሳይ ዝዛረብ ዝነበረ መልኣኽ ከዓ “እዚኣቶም እንታይ ከም ዝኾኑ ኸርእየካ እየ” በለኒ።
መልኣኽ እግዚኣብሄር ድማ ብሕልሚ ‘ያእቆብ’ ኢሉ ፀውዐኒ። ኣነ ኸዓ ‘እኒሀኹ’ በልኩ።
ካብቶም ደው ኢሎም ዝነበሩ ናብ ሓደ ቕርብ ኢለ፥ ብዛዕባ እዝ ዅሉ ነገር እዙይ ክገልፀለይ ጠየቕክዎ። ንሱውን ትርጕም እቲ ነገር ገለፀለይ።
እግዚኣብሄር ድማ ነቲ ምሳይ ዝዛረብ ዝነበረ መልኣኽ፥ ብፅቡቕን ብዘፀናንዕን ቃል መለሰሉ።
ኣነ ኸዓ ነቲ ዝዛረበኒ ዝነበረ መልኣኽ “እዚኣቶም እንታይ እዮም?” በልክዎ። ንሱ ድማ “እዚኣቶም ንይሁዳን ንእስራኤልን ንኢየሩሳሌምን ዝበተኑ ኣቕርንቲ እዮም” ኢሉ መለሰለይ።
እንሆ ኸዓ፥ እቲ ዝዛረበኒ ዝነበረ መልኣኽ ወፀ፤ ካልእ መልኣኽ ድማ ኽራኸቦ ወፀ።
እቲ ዝዛረበኒ ዝነበረ መልኣኽ ከዓ ተመሊሱ፥ ከምቲ ንሰብ ካብ ድቃሱ እተበራብሮ ኣበራበረኒ።
ብድሕሪኡ ነቲ መልኣኽ “እዞም ብየማነ ፀጋም እዝ ቐዋሚ ቐንዲል ዘለዉ፥ ክልተ ኣእዋም ኣውሊዕኸ እንታይ እዮም?” በልክዎ።
እቲ ዝዛረበኒ ዝነበረ መልኣኽ ከዓ ወፀ፤ “ኣዒንትኻ ኣልዕልሞ እዛ እትወፅእ ዘላ እንታይ ከም ዝኾነት ረአ” በለኒ።