7 ዳርዮስ ምስ ነገሰ፥ ኣብ ካልኣይ ዓመቱ፥ ኣብ መበል ዕስራን ኣርባዕተን መዓልቲ፥ በታ ሰባጥ ተባሂላ እትፅዋዕ መበል ዓሰርተ ሓደ ወርሒ፥ ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር፥ ናብ ወዲ ሃዶ ወዲ በራክዩ ናብ ነቢይ ዘካርያስ መፀ።
ዳርዮስ ምስ ነገሰ፥ ኣብ ካልኣይ ዓመቱ፥ በታ ሻምነይቲ ወርሒ፥ ናብ ወዲ ኣዶ፥ ወዲ በራክዩ ነቢይ ዘካርያስ፥ ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር መፀ።
ንባሮተይ ነቢያት ዝኣዘዝኩዎም ቃለይን ስርዓተይን፥ ነኣቦታትኩምዶ ኣይበፅሑን እዮም? ንሳቶም ግና ተመሊሶም “ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ ከም መጠን መንገድናን ግብርናን ክገብረና ኢሉ ዝሓሰቦ፥ ከምኡ ገይሩና” በሉ።
እንሆ፥ ኣብ ሓመር ፈረስ ዝተቀመጠ ሓደ ሰብ ብራእይ ለይቲ ረአኹ። ንሱ ድማ ትሕት ኣብ ዝበለ ቦታ፥ ኣብ ማእኸል ኣእዋም ፀፆ ደው ኢሉ ነበረ። ብድሕሪኡውን ሓመር፥ ግራጫ፥ ፀሊም፥ ኣምበላይ ዝኾኑ ኣፍራስ ነበሩ።
ካብ ደም እቲ ፃድቕ ኣቤል ጀሚሩ፥ ክሳዕ ደም እቲ ኣብ መንጎ ቤተ መቕደስን መሰውእን ዝቐተልኩምዎ ዘካርያስ ወዲ በራኽዩ፥ ፍዳ እቲ ኣብ ምድሪ ዝፈሰሰ ደም ኵሎም ፃድቃን፥ ኣባኻትኩም ክበፅሕ እዩ።