5 ሕዚ ኣቦታትኩም ኣበይ ኣለዉ? ነቢያትከ ንዘለኣለምዶ ብህይወት ይነብሩ እዮም?
ኤልሳዕ ከዓ ዝሞተላ ሕማም ሓመመ፤ ክመውት ምስ ቀረበ ኸዓ ኢዮኣስ ንጉስ እስራኤል ናብኡ ወሪዱ “ኣቦይ! ኣቦይ! ናይ እስራኤል ሰረገላን ፈረሰኛታቱን” ኢሉ በኸየ።
ኤልሳዕ ሞተ እሞ ቐበርዎ። ዓመት ዓመት ከዓ ሓደጋ ዘብፅሑ ኻብ ሞኣብ ናብ ምድሪ እስራኤል ይመፁ ነበሩ።
መዋእል ዕድሜና ሰብዓ ዓመት፥ እንተ በዝሐ ኸዓ ሰማንያ ዓመት እዩ፤ ካብኡ እንተ በዝሐ ግና ድኻምን መከራን እዩ፤ ካባና ቐልጢፉ ይሓልፍ፤ ንሕናውን ንግሰፅ ኢናሞ።
ትውልዲ ይኸይድ፤ ትውልዲ ኸዓ ይመፅእ፤ ምድሪ ግና ንዘለኣለም ትነብር።
ሽዑ ንበረኽቲ ይፈርሑ፤ ኣብ መንገዲውን ድንጋፀ እንትኸውን እንተሎ፥ ለውዚ እንትዕምብብ፥ ኣንበጣውን ከም ፆር እንትኸብድ፥ ድሌት ኵሉ እንትጠፍእ፥ ሰብ ናብ ናይ ዘለኣለም መንበሪኡ እንትኸይድ፥ መልቀስቲውን ኣብ ኣደባባይ እንትዞሩ፥
ሓመድ ድማ ናብቲ ዝነበሮ ምድሪ እንተይተመለሰ፥ መንፈስውን ናብቲ ወሃቢኡ እግዚኣብሄር እንተይተመለሰ፥ ብመዓልቲታት ጕብዝናኻ ንፈጣሪኻ ዘክሮ።
መሊስካ ኻልእ ብራና ውሰድ እሞ፥ ነተን ኣብ ልዕሊ እታ ኢዮኣቄም ንጉስ ይሁዳ ዘንደዳ ቐዳመይቲ ጥቕልልቲ ብራና ዝነበራ፥ ኵለን ቃላት ኣብኣ ፀሓፈን።
ኣቦታትና ሓጢኣት ገበሩ፤ ሕዚ ግና የለዉን፤ ንሕና ድማ በደሎም ንፀውር ኣለና።
ኣይሁድ ድማ “ሕዝስ ጋኔን ከም ዘለካ ፈሊጥና፤ ኣብርሃም እኳ ሞይቱ፤ ነቢያትውን ሞይቶም፤ ንስኻ ግና ‘ቃለይ ዝሕሉ ንዘለኣለም ኣይመውትን’ ትብል ኣለኻ።
ዳዊት ግና ብዘመኑ ኸም ፍቓድ እግዚኣብሄር ኣገልግሎቱ ምስ ፈፀመ ዓረፈ፤ ተቐቢሩ ኸዓ ምብስባስ ረአየ።
ከምቲ ንሰብ ሓንሳእ ምሟት፥ ብድሕሪኡ ኸዓ ፍርዲ ተሰሪዑሉ ዘሎ፥
ሳሙኤል ሞተ፤ ኵሎም እስራኤል ከዓ ተኣኪቦም በኸዩሉ፤ ኣብ ኣርማቴም ኣብ ገዛኡ ድማ ቐበርዎ። ሽዑ ዳዊት ናብ ምድረ በዳ ፋራን ወረደ።