4 ቀዳሞት ነቢያት ነቦታትኩም ከምዙይ ኢሎም ሰቢኾም እዮም፤ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ “ካብ ክፉእ መንገድኹምን ካብ ክፉእ ግብርኹምን ተመለሱ” በልዎም። ንሳቶም ግና ኣይሰምዑን፤ ንኣይውን ኣይሰምዑንን፤ ከምኣቶም ኣይትኹኑ፤ ይብል እግዚኣብሄር።
እቶም ልኡኻት ድማ መልእኽትታት ንጉስን ሹመኛታቱን ሒዞም ናብ ኵሉ እስራኤልን ይሁዳን ከዱ እሞ፥ ከምቲ ትእዛዝ ንጉስ ከምዙይ ኢሎም ነገሩ፦ “ኣቱም ደቂ እስራኤል፥ ካብ ኢድ ነገስታት ኣሶር ኣምሊጥኩም ተሪፍኩም ኣለኹም፤ ሕዚ ኸዓ እግዚኣብሄር ምእንቲ ኽምለሰኩም ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣብርሃምን ይስሓቅን ያእቆብን ተመለሱ።
ከምቲ ንስኻትኩም እትሪእዎ ዘለኩም ከም ዝጠፍኡ ኽሳዕ ዝገብሮም ንኣምላኽ ኣቦታቶም እግዚኣብሄር ከም ዝበደሉ ከም ኣቦታትኩምን ኣሕዋትኩምን ኣይትኹኑ።
“ኣቦታትና ንቓል እግዚኣብሄር ከምቲ ዅሉ ኣብዝ መፅሓፍ እዙይ ተፅሒፉ ዘሎ ስለ ዘይገበሩ፥ እቲ ኣባና ወሪዱ ዘሎ ቝጥዓ እግዚኣብሄር ዓብዪ እዩ። ስለዙይ ኪዱ፥ ብናይ እዝ ኣብዙይ ዝተረኽበ መፅሓፍ ዘሎ ቓል ምእንታይን ምእንቲ እዞም ኣብ እስራኤልን ኣብ ይሁዳን ዝተረፉ ህዝብን ንእግዚኣብሄር ጠይቑ” ኢሉ ኣዘዞም።
ንሕና ኻብ ዘመን ኣቦታትና ጀሚርና ኽሳዕ ሎሚ መዓልቲ፥ በደልና ዓብዪ እዩ። ብሰንኪ ሓጢኣትና ድማ ንሕናን ነገስታትናን ካህናትናን፥ ሎሚ ኸም ዝኾነ፥ ንሰይፍን ንምርኮን ንምብዝባዝን ንምሕፋር ገፅን ክንከውን ድማ ኣብ ኢድ ባዕዳን ነገስታት ምድሪ ተደርበና።
“ንሳቶምን ኣቦታትናን ግና ተዓበዩ፤ ክሳውዶም ኣትረሩ፤ ንትእዛዛትካውን ኣይሰምዑን።
“ንሳቶም ግና እምቢተኛታት ኮይኖም ኣበዩን ካባኻ ኸድዑን፤ ንሕግኻ ድማ ንድሕሪኦም ደርበይዎ። ነቶም ናባኻ ኽምለሱ ዝመዓድዎም ነቢያትካ ቐተልዎም፤ ንኣኻውን የመና ኣቘጥዑኻ።
ግና ብዙሕ ዓመታት ተዓገስካዮም፤ ብኢድ ነቢያትካ ብመንፈስካ መስከርካሎም፤ ንሳቶም ግና ኣእዛኖም ኣይመለሱልካን። ሽዑ ናብ ኢድ ሃገራት ኣህዛብ ኣሕሊፍካ ሃብካዮም።
ከም ኣቦታቶም ከይኾኑ፥ ዓላዊትን መራርን ትውልዲ፥ ልባ ዘየቕንዐት ትውልዲ፥ ነፍሳ ብእግዚኣብሄር ዘይተኣመነት ከይኾኑ።
“ኣቱም ደቂ እስራኤል፥ ናብቲ ኻብኡ እምብዛ ዝረሓቕኩምዎ ተመለሱ።
እምበኣር ሕዚ እውን ንሰብ ይሁዳን ነቶም ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነብሩን፥ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ እንሆ ጥፍኣት እናዳለኹልኩም እየ፤ ክቐፅዐኩም ከዓ ኽፉእ እሓስበልኩም ኣለኹሞ፥ ካብ ክፉእ መንገድኹም ተመለሱ፤ መንገድኹምን ግብርኹምን ኣመዓራርዩ።
ብምኽረይ ፀኒዖም ነይሮም እንተ ዝኾኑስ፥ ቃለይ ንህዝበይ መስምዕዎም፤ ካብ ክፉእ መንገዶምን ካብ ክፉእ ስራሖምውን ምመለስዎም ነይሮም።
“ስለዙይ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦
ንቓላት እቶም እንተየቋረፅኩ መላሊሰ ናባኻትኩም ዝለኣኽኩልኩም፥ ኣገልገልተይ ነቢያት እንተ ዘይሰማዕኹም፥
ኪድ እሞ ንሰሜን ወገን ነዘን ቃላት እዚኣተን ተናገር፤ በልውን፦ ኣቲ ኸዳዕ እስራኤል፥ ተመለሲ፤ ኣነ መሓሪ እየሞ፥ ንዘለኣለም ኣይቝጣዕን እየሞ፥ ገፀይ ኣየትርረልክን እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር።
“ኣቱም ጠለምቲ ደቂ፥ ኣነ ጐይታኹም እየ፤ ከካብ ከተማ ሓደ፥ ከካብ ስድራ ቤት ክልተ፥ ኣምፂአ ናብ ፅዮን ከእትወኩም እየ እሞ ናባይ ተመለሱ፤ ይብል እግዚኣብሄር።
ኣነ ድማ ነፍሲ ወከፍኩም ካብቲ ኽፉእ መንገድኹም ተመለሱ፤ ግብርኹም ከዓ ኣቕንዑ፤ ክተምልኽዎም ኢልኩም ንኻልኦት ኣማልኽቲ ኣይትከተሉ፤ ሽዑ ኣብታ ንኣኻትኩምን ነቦታትኩምን ዝሃብክዋ ሃገር ክትነብሩ ኢኹም ኢለ ኣንጊሀ ተሲአ፥ ንኣገልገልተይ ነቢያት ለኣኽኩልኩም፤ ደጋጊመውን ለኣኽኩልኩም፤ ንስኻትኩም ግና ኣእዛንኩም ፅን ኣየበልኩምን፤ ነኣይውን ኣይሰማዕኹምንን።
“ኦ እስራኤል፥ እንተ ተመለስካ ናባይ ደኣ ተመለስ። ንርኽሰትካ ኻብ ቅድመይ እንተ ኣወጊድካ፥
“ነቲ ብስም እግዚኣብሄር ዝተዛረብካና ቓል ኣይንሰምዐካን ኢና።
ስለዙይ “ንቤት እስራኤል በሎም፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ተነስሁ፤ ካብ ጣዖታትኩም ተመለሱ፤ ካብ ኵሉ ርኽሰትኩም ከዓ ገፅኩም ምለሱ።
ኣብ ምድረ በዳ ኸዓ ንደቆም፥ “ከምቲ ሕግጋት ኣቦታትኩም ኣይትመላለሱ፤ ስርዓቶም ድማ ኣይትሓልዉ፤ ብጣዖታቶምውን ኣይትርከሱ።
ኣነ ህያው እየ፥ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ፤ ሓጥእ ካብ መንገዱ ኽምለስ እሞ፥ ብህይወት ክነብር እምበር፥ ብሞት ሓጥእ ባህ ኣይብለንን እዩ፤ ኣቱም ቤት እስራኤል ስለ ምንታይከ እትሞቱ? ኻብቲ እኩይ መንገድኹም ተመለሱ፤ ተመለሱ፤ በሎም።
ሓደ ነቲ ድምፂ መለኸት ሰሚዑ እንተ ዘይተጠንቀቐ፥ ሰይፊ መፂኡ ኸዓ እንተ ወሰዶ፥ ደሙ ኣብ ርእሱ ክኸውን እዩ።
ነቶም ንነገስታትናን ነሕሉቕናን ነቦታትናን ንዅሉ ህዝቢ ሃገርናን ብስምካ ዝተዛረቡ ባሮትካ ነቢያት ኣይሰማዕናዮምን።
ኦ እስራኤል፥ ብሓጢኣትካ ወዲቕካ ኢኻ እሞ፥ ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ተመለስ።
ፍርዲ ኸም ማያት፥ ፅድቂ ኸዓ ኸም ዘይነፅፍ ሩባ ይፍሰስ።
ነቶም ዝንበዩ ኣይትነበዩ ይብልዎም፤ ብኣኣቶም ትንቢት እንተ ዘይተናገሩኳ ነውሮም ኣይርሕቕን።
ስለዙይ ከምዙይ በሎም፦ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ናባይ ተመለሱ” ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፤ “ኣነውን ናባኻትኩም ክምለስ እየ” ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር።
ኢየሩሳሌምን እተን ኣብ ዙርያኣ ዘለዋ ኸተማታትን ሰብ ሰፊርወን እንተለዋ፥ ብምቾት እንትነብሩ ደቡብን እቲ ቘላን ሰብ ሰፊርወን ኣብ ዝነበራሉ ጊዜ እንተለዋ፥ እግዚኣብሄር በቶም ቀዳሞት ነቢያት ገይሩ ዝኣወጆ ቓል፥ ክትሰምዑዶ ኣይግብአኩምን ነይሩ?
እኳ ደኣ፥ ክንስሁን ናብ እግዚኣብሄር ክምለሱን፥ ከም ዝተነስሁ ዘርኢ ግብሪ ኽገብሩን፥ ቅድም ኣብ ደማስቆ፥ ደሓር ኣብ ኢየሩሳሌምን፥ ኣብ ኵላ ሃገር ይሁዳን፥ ከምኡ ኸዓ ንኣህዛብ ወንጌል ሰበኽኩ።
እምበኣር ሓጢኣትኩም ምእንቲ ኽድምሰሰልኩም፥ ካብ ገፅ እግዚኣብሄርውን፥ ዘመን ምሕዳስ ምእንቲ ኽመፀልኩም፥
ካብቲ ኻብ ኣቦታትኩም ዝወረስኩምዎ፥ ከንቱ ዝኾነ ህይወት ዝደሓንኩም፥ ብዝጠፍእ ነገር፥ ብብሩር ወይ ብወርቂ ዘይኮነስ፥ በቲ ነቐፋን ርኽሰትን ከም ዘይብሉ በጊዕ ዝኾነ፥ ብኽቡር ደም ክርስቶስ፥ ከም ዝተቤዘወኩም ትፈልጡ ኢኹም።