3 ስለዙይ ከምዙይ በሎም፦ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ናባይ ተመለሱ” ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፤ “ኣነውን ናባኻትኩም ክምለስ እየ” ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር።
ንኣሳ ድማ ኽራኸቦ ወፀ፤ ከምዙይውን በሎ፦ “ንጉስ ኣሳን፥ ኵልኻትኩም ህዝቢ ይሁዳን ብንያምን፥ ስምዑኒ፤ ንስኻትኩም ምስ እግዚኣብሄር እንተ ዄንኩም ንሱውን ምሳኻትኩም ክኸውን እዩ፤ እንተ ደሊኹምዎውን ክርከበልኩም እዩ። ንስኻትኩም እንተ ሓዲግኩምዎ ግና ንሱ ኸዓ ኽሓድገኩም እዩ።
ብጊዜ መከራኦም ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ተመሊሶም ምስ ደለይዎ ረኸብዎ።
“ዕረፍቲ ምስ ረኸቡ ግና፥ መሊሶም ኣብ ቅድሜኻ ኽፉእ ገበሩ፤ ሽዑ ድማ ኣብ ኢድ ፀላእቶም ኣሕሊፍካ ሃብካዮም እሞ ገዝእዎም። ተመሊሶም ከዓ ናባኻ ምስ ኣእወዩ፤ ንስኻ ድማ ካብ ሰማይ ሰማዕኻዮም፤ ከም ምሕረትካውን ብዙሕ ጊዜ ኣድሓንካዮም።
ናብቲ ዅሉ ዝኽእል ኣምላኽ እንተ ተመሊስካ፥ እንተ ተዋረድካውን፥ ከምቲ ዝነበርካዮ ኸፅንዐካ እዩ፤ ንሓጢኣትውን ካብ ድንኳንካ እንተ ኣርሒቕካ፤
“ኣቱም ደቂ እስራኤል፥ ናብቲ ኻብኡ እምብዛ ዝረሓቕኩምዎ ተመለሱ።
ንገበንካ ኸም ደመና፥ ንሓጢኣትካውን ከም ግመ ኣወጊደዮ እየ። ተቤዚወካ እየሞ፥ ናባይ ተመለስ።”
ምስ ነቐልኩዎም ግና፥ መሊሰ ኽምሕሮም እየ፤ ንነፍሲ ወከፍ ህዝቢ ነናብ ርስቱን ነናብ ሃገሩን ክመልሶ እየ።
ንሱውን፦ ኣብታ እግዚኣብሄር ንኣኻትኩምን ነቦታትኩምን ንዘለኣለመ ኣለም ዝሃባ ምድሪ ምእንቲ ኽትነብሩ፥ ነፍሲ ወከፍኩም ካብ ክፉእ መንገድኹምን፥ ካብ ክፉእ ግብርኹምን ክትምለሱ ነገሩኹም።
ከምቲ ዝበሃል፦ “ሰብኣይ ንሰበይቱ እንተ ፈትሓ እሞ፥ ንሳ ኻብኡ ኸይዳ ኻልእ ሰብኣይ እንተእተወት፥ ብሓቂ እቲ ቐዳማይ ሰብኣይ መሊሱዶ ኸእትዋ ይኽእል? እታ ሰበይቲ እቲኣ የመና ዝረኸሰትዶ ኣይኮነትን? ንስኺ ግና ምስ ብዙሓት ፈተውቲ መንዚርክስ፥ ናባይዶ ኽትምለሲ ኢኺ? ይብል እግዚኣብሄር።
ኣቱም ጠለምቲ ውሉድ፥ ከሕውየኩም እየሞ፥ ካብ ጥልመትኩም ተመለሱ፤ ንስኻትኩም እንሆ “ንስኻ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ኢኻሞ፥ እኒሀና ናባኻ ንመፅእ ኣለና።
ኣነ ድማ ነፍሲ ወከፍኩም ካብቲ ኽፉእ መንገድኹም ተመለሱ፤ ግብርኹም ከዓ ኣቕንዑ፤ ክተምልኽዎም ኢልኩም ንኻልኦት ኣማልኽቲ ኣይትከተሉ፤ ሽዑ ኣብታ ንኣኻትኩምን ነቦታትኩምን ዝሃብክዋ ሃገር ክትነብሩ ኢኹም ኢለ ኣንጊሀ ተሲአ፥ ንኣገልገልተይ ነቢያት ለኣኽኩልኩም፤ ደጋጊመውን ለኣኽኩልኩም፤ ንስኻትኩም ግና ኣእዛንኩም ፅን ኣየበልኩምን፤ ነኣይውን ኣይሰማዕኹምንን።
“ኦ እስራኤል፥ እንተ ተመለስካ ናባይ ደኣ ተመለስ። ንርኽሰትካ ኻብ ቅድመይ እንተ ኣወጊድካ፥
“ንስኻትኩም ግና ‘ስለ ምንታይ እዩ፥ እቲ ወሉድስ ሓጢኣት ኣቦኡ ዘይፀውር?’ ትብሉ ኣለኹም፤ እቲ ውሉድ ቅንዕናን ፅድቅን ገይሩ፥ ንዅሉ ሕግጋተይ ሓልይዎን ገይርዎን እዩ እሞ፥ ብርግፅ ብህይወት ክነብር እዩ።
ነቲ ዝበደልኩምዎ በደል ካባኻትኩም ደርብዩ፤ ሓድሽ ልብን ሓድሽ መንፈስን ድማ ንኣኻትኩም ግበሩ። ኣቱም ቤት እስራኤል ስለ ምንታይ እትሞቱ?
ኣነስ ሞት ሓደ እኳ ኣይፈቱን እየ እሞ ተመለሱ፤ ብህይወት ከዓ ንበሩ” ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
ኣነ ህያው እየ፥ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ፤ ሓጥእ ካብ መንገዱ ኽምለስ እሞ፥ ብህይወት ክነብር እምበር፥ ብሞት ሓጥእ ባህ ኣይብለንን እዩ፤ ኣቱም ቤት እስራኤል ስለ ምንታይከ እትሞቱ? ኻብቲ እኩይ መንገድኹም ተመለሱ፤ ተመለሱ፤ በሎም።
ኦ እስራኤል፥ ብሓጢኣትካ ወዲቕካ ኢኻ እሞ፥ ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ተመለስ።
ቍጥዓይ ካብኣቶም ተመሊሱ እዩ እሞ፥ ኣነ ንዓመፃኦም ክፍውሶ እየ፤ ብፍቓደይውን ብልቢ ኽፈትዎም እየ።
“ንዑ፥ ናብ እግዚኣብሄር ንመለስ፤ ንሱ ሰይሩና እዩ፤ ንሱውን ክፍውሰና እዩ። ንሱ ወቒዑና እዩ፤ ንሱውን ክፅግነና እዩ።
እምበኣርከስ ሕዚ እውን፥ ብፆምን ብብኽያትን ብሓዘንን፥ ብምሉእ ልብኹም ናባይ ተመለሱ፤ ይብል እግዚኣብሄር።
ካብ ዘመን ኣቦታትኩም ጀሚሩ፥ ካብ ትእዛዛተይ ድሕር ኢልኩም ኢኹም፤ ኣይሓለኹምዎንውን፤ ናባይ ተመለሱ፤ ኣነውን ናባኻትኩም ክምለስ እየ፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር። ንስኻትኩም ግና ብኸመይ ኢና እንምለስ ትብሉ ኣለኹም።