Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ዘካርያስ 1:16 - መፅሓፍ ቅዱስ

16 ስለዙይ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ ብምሕረት ናብ ኢየሩሳሌም ተመሊሰ ኣለኹ። ቤተይ ኣብኣ ኽስራሕ እዩ። ኢየሩሳሌም ከዓ ንኻልኣይ ጊዜ ኽትህነፅ እያ፤ ኣብ ኢየሩሳሌም ድማ መለክዒ ገመድ ክዝርጋሕ እዩ’ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ኢልካ ስበኽ” በለኒ።

Ver Capítulo Copiar




ዘካርያስ 1:16
24 Referencias Cruzadas  

ትፈልጥ እንተ ዄንካኸ፥ ነቲ መጠና ዝወሰነ መን እዩ? መለክዒ ገመድ ኣብ ልዕሊኣ ዝዘርግሐኸ መን እዩ?


በታ መዓልቲ እቲኣ፦ ኦ እግዚኣብሄር! ተቘጢዕኻኒ ኔርካ፤ ግና ቝጥዓኻ ኻባይ መሊስካ ኢኻሞ፥ ኣፀናኒዕኻኒ ኢኻሞ፥ አመስግነካ ኣለኹ።


ሊሎን ኣባ ጕምባሕን ቅንፍዝን ናቶም ክገብርዋ፥ ጕጓን ኳዅን ክነብርዋ እዮም። ኣብ ልዕሌኣውን ናይ ምፍራስ ገመድ፥ ናይ ጥፍኣታ መለክዒ ቱምቢን፥ ክዝርግሐላ እዩ።


እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “እንሆ ምርኮ ድንኳን ያእቆብ ክምልስ እየ፤ ንመንበሪኡውን ክርህርሀሉ እየ፤ እታ ኸተማ ኣብ ልዕሊ ዀረብታታት፥ ክትህነፅ እያ፤ እቲ ኣዳራሻውን ከም ቅድሙ፥ መንበሪ ሰብ ክኸውን እዩ።


ናብኣ ኸዓ ወሰደኒ፤ እንሆ ድማ ኸም ነሃስ ዝትርኢቱ ሰብኣይ፥ ገመድ ልሕፂ እንጣጢዕን፥ ዝእምተሉ ዘንግን ኣብ ኢዱ ሒዙ፥ ኣብታ ደገ ደው ኢሉ ነበረ።


እቲ ሰብኣይ ናብ ምብራቕ ኣቢሉ ኽወፅእ እንተሎ፥ ዝእምተሉ ገመድ ኣብ ኢዱ ነበሮ፤ ብእኡ ኸዓ ሽሕ እመት ኣመተ፤ በቲ ማያት ኣሳገረኒ፤ ክሳዕ ክሳድ እግረይውን በፅሐ።


ዙርያኡ ዓሰርተ ሸሞንተ ሽሕ እመት እዩ፤ ድሕሪ እዛ መዓልቲ እዚኣ ኸዓ፥ ስም እታ ኸተማ “እግዚኣብሄር ኣብኣ እዩ” ተብሂላ ኽትፅዋዕ እያ።


እግዚኣብሄር ከዓ ንመንፈስ ዘሩባቤል ወዲ ሰላትያል ገዛኢ ይሁዳን፥ ንመንፈስ ኢያሱ ወዲ ሊቀ ካህናት ኢዮሴዴቅን፥ ንመንፈስ እቶም ዝተረፉ ህዝብን ኣለዓዓለ። ንሳቶም ድማ መፂኦም፥ ቤት ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ኣምላኾም ምስራሕ ጀመሩ።


“ፈትየዮም እየሞ፥ ንቤት ይሁዳ ኸበርትዖም እየ፤ ንቤት ዮሴፍ ድማ ኸድሕኖም እየ፤ ከደላድሎምውን እየ። ስለ ዝርህርሀሎም፥ ናብ ዓዶም ክመልሶም እየ፤ ከም ዘይሓደግክዎምውን ክኾኑ እዮም። ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኾም እየሞ፥ ፀሎቶም ክሰምዖም እየ፤ ከም ዘይደርበኹዎምውን ክኾኑ እዮም።


ከምዙይ ድማ በሎ፦ “ጕየ፥ ነቲ ጐበዝ፥ ከምዙይ ኢልካ ንገሮ፦ ኢየሩሳሌም፥ ኣብ ውሽጣ ኻብ ዘሎ ብዝሒ ሰብን ከፍትን ዝተልዓለ፥ ቅፅሪ ኸም ዘይብላ ኸተማ ኽትከውን እያ።


‘ኣነ ኣብ ዙርያኣ ቅፅሪ ሓዊ ክኾነላ፤ ኣብ ውሽጣውን ክብሪ ክኸውን እየ’ ይብል እግዚኣብሄር።”


“ኣነ ኸምቶም ኣርባዕተ ንፋሳት ሰማይ በቲነኩም እየሞ፥ ይብል እግዚኣብሄር፤ ሕዚ ግና ተስኡ! ተስኡ! ካብ ሃገር ሰሜን ህደሙ” ይብል እግዚኣብሄር።


“ኣእዳው ዘሩባቤል፥ መሰረት እዝ ቤተ መቕደስ እዙይ መስረታ፤ ዝፍፅማኦውን ኣእዳዉ እየን። ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ ንኣይ ናባኻትኩም ከም ዝለኣኸኒውን ክትፈልጡ ኢኹም።


እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ ናብ ፅዮን ተመሊሰ ኣለኹ፤ ኣብ ማእኸል ኢየሩሳሌምውን ክነብር እየ። ኢየሩሳሌም ድማ ኸተማ ሓቂ ኽትበሃል እያ። እቲ እምባ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከዓ፥ ቅዱስ እምባ ተብሂሉ ኽፅዋዕ እዩ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos