Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ዘካርያስ 1:15 - መፅሓፍ ቅዱስ

15 ኣነ ቑሩብ ተቘጢዐ ነበርኩ፤ ንሳቶም ግና ንኽፍኣት ስለ ዝሓገዙ፥ በቶም ሃዲኦም ዝነብሩ ኣህዛብ የመና ተቘጢዐ ኣለኹ።

Ver Capítulo Copiar




ዘካርያስ 1:15
28 Referencias Cruzadas  

ንመንገደይ የበላሽውዎ ኣለዉ፤ ረዳኢ ዘይብሎም ሰባት ንመከራይ የብዝሕዎ።


ነፍስና ፀርፊ ሃብታማትን፥ ንዕቐት ዕቡያትን የመና ፀጊባ እያ።


ኦ ጐይታ፥ ብመዓልቲ ኢየሩሳሌም፥ ነቶም “ኣፍርስዋ፤ ካብ መሰረታ ኣፍርስዋ” ዝብሉ ደቂ ኤዶም ዘክሮም።


ነቲ ንስኻ ዝቐሰፍካዮ ንሳቶም ኣሳጒጎም እዮምሞ፤ ኣብ ልዕሊ ቝስለይውን ቃንዛ ወሰኹለይ።


ንቑሩብ ጊዜ የመና ስለ ዝተቘጣዕኹ፥ ገፀይ ካባኺ ኸወልኩ፤ ግና ብዘለኣለማዊ ምሕረተይ ክርህርሀልኪ እየ” ይብል እቲ ተቤዛዊኺ እግዚኣብሄር።


ሕዚ ግና እቶም ፈፂሞም ዝውሕጡኻ፥ ክወሓጡ እዮም፤ ኵሎም ፀላእትኻ ንምርኮ ኽወሃቡ እዮም። ኵሎም ዝዓመፁኻ ኽዕመፁ እዮም፤ ኵሎም ዝዘመቱኻ ኸዓ ኽዝመቱ እዮም፤


ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ህዝቢ እስራኤልን ህዝቢ ይሁዳን፥ ብሓባር ተገፊዖም እዮም፤ እቶም ዝማረኽዎም ከዓ ብፅኑዕ ሓዝዎም፤ ከይሰድዎም ድማ ኣበዩ።


እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ኣብ ፅዮን ኣብ ቅድሚ ዓይንኹም ብዝፈፀምዎ ኽፍኣት፥ ኣነ ንባቢሎንን ኣብኣ ንዝነብሩ ከለዳውያንን ክፈድዮም እየ።


“ኣታ ወዲ ሰብ፥ ጢሮስ ብዛዕባ ኢየሩሳሌም ‘እሰይ፥ እሰይ፥ እታ ደገ ህዝብታት ፈሪሳ፤ ናባይ ተመሊሳ፤ ንሳ ባዲማ እያ፤ ኣነ ኽመልእ እየ’ ኢላ ኣላ እሞ፥


እቶም ኣብ ፅዮን ሃዲኦም ዝቕመጡ፥ ኣብ እምባ ሰማርያ ድማ ተኣማሚኖም ዝነብሩ ቤት እስራኤል፥ ናብኣቶም ዝመፁዎም፥ መራሕቲ ኣህዛብ ወይለኦም!


ንምድሪ ብመዓትካ ሓለፍካያ፤ ንኣህዛብውን ብቝጥዓኻ ኣኼድካዮም።


ንሳቶምውን ነቲ ኣብ ማእኸል ኣእዋም ፀፆ ደው ኢሉ ዝነበረ መልኣኽ እግዚኣብሄር “ኣብ ኵላ ምድሪ ተመላለስና፤ እንሆ ኸዓ ዅላ ምድሪ ሃዲኣ ብሰላም ትነብር ኣላ” ኢሎም መለሱሉ።


ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ ኣብ ልዕሊ ኣቦታትኩም የመና ተቘጢዑ ነበረ፤


እግዚኣብሄር ነቶም ንኢየሩሳሌም ዝወግእዋ ዅላቶም ኣህዛብ ዝወቕዐሉ መቕሰፍቲ እዙይ እዩ፤ ገና ብእግሮም ቆይሞም እንተለዉ ስጋኦም ክብስብስ እዩ፤ ኣዒንቶም ኣብ ጕድጓደን እንተለዋ ኽብስብሳ እየን፤ መልሓሶምውን ኣብ ውሽጢ ኣፎም እንተላ ኽትብስብስ እያ።


ካብኡ ዓው ኢሉ “እንሆ እቶም ናብ ሃገር ሰሜን ዝወፁ፥ ንመንፈሰይ ኣብ ምድሪ ሰሜን ኣዕሪፎምዎ” በለኒ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos