13 እግዚኣብሄር ድማ ነቲ ምሳይ ዝዛረብ ዝነበረ መልኣኽ፥ ብፅቡቕን ብዘፀናንዕን ቃል መለሰሉ።
“መንገድታቱ ሪአ ኣለኹ፤ ግና ኸሕውዮን ክመርሖን እየ። ንእኡን ብዛዕባኡ ንዝበኽዩን ድማ፥ ምፅንናዕ ክመልሰሎም እየ።
“እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ‘ድሕሪ ሰብዓ ዓመት ኣብ ባቢሎን ምንባርኩም፥ ናብዝ ስፍራ እዙይ ክመልሰኩም እየ’ ኢለ ዝኣተኹልኩም ሰናይ ቃለይ ክፍፅመልኩም እየ።
ሓደ ኻብኣቶም፥ ኣብ ልዕሊ እቲ ማይ ሩባ ንዝነበረ፥ ልሕፂ እንጣጢዕ ንዝተኸደነ ሰብ “እዝ ዘደንቕ ነገር መወዳእታኡ መኣዝ ክኸውን እዩ?” በሎ።
ሽዑ ኣነ “ጐይታይ፥ እዚኣቶም እንታይ እዮም?” በልኩ። እቲ ምሳይ ዝዛረብ ዝነበረ መልኣኽ ከዓ “እዚኣቶም እንታይ ከም ዝኾኑ ኸርእየካ እየ” በለኒ።
እቲ ዝዛረበኒ ዝነበረ መልኣኽ ከዓ ተመሊሱ፥ ከምቲ ንሰብ ካብ ድቃሱ እተበራብሮ ኣበራበረኒ።
“ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ እቶም ናይ ራብዓይ ወርሒን ናይ ሓምሻይን ናይ ሻውዓይን ናይ ዓስራይን ወርሒ ኣፅዋማት፥ ንህዝቢ ይሁዳ በዓላት ሓጐስን ደስታን ፍስሃን ክኾኑ እዮም። እምበኣር ሓቅን ሰላምን ፍተዉ።”