1 ዳርዮስ ምስ ነገሰ፥ ኣብ ካልኣይ ዓመቱ፥ በታ ሻምነይቲ ወርሒ፥ ናብ ወዲ ኣዶ፥ ወዲ በራክዩ ነቢይ ዘካርያስ፥ ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር መፀ።
ሽዑ ስራሕ እታ ኣብ ኢየሩሳሌም ዘላ ቤት እግዚኣብሄር በዀረ፤ ክሳዕ እታ ኻልአይቲ ዓመት መንግስቱ ንዳርዮስ ንጉስ ፋርስውን ተቛረፀ።
እቶም ነቢያት ከዓ፥ ነቢይ ሓጌን ዘካርያስ ወዲ ኣዶን፥ ነቶም ኣብ ይሁዳን ኣብ ኢየሩሳሌምን ዝነብሩ ኣይሁድ፥ ንኣኣቶም ብስም ኣምላኽ እስራኤል ተነበዩሎም።
ካብ ዓዶ፥ ዘካርያስ፤ ካብ ጌንቶን፥ ሜሱላም፤
ኣዶ፥ ጊንቶን፥ ኣቢያ፥
ዳርዮስ፥ ኣብ ሜዶን ምስ ነገሰ ኣብ ካልአይቲ ዓመቱ፥ ብቐዳመይቲ መዓልቲ ናይታ ሻድሸይቲ ወርሒ፥ ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር፥ ብኢድ ነቢይ ሓጌ ናብ ዘሩባቤል ወዲ ሰላትያል ገዛኢ ይሁዳን፥ ናብ ኢያሱ ወዲ ኢዮሴዴቅ ሊቀ ካህናትን መፀ።
እዙይ ዝኾነውን ዳርዮስ ምስ ነገሰ፥ ኣብ መበል ካልኣይ ዓመት፥ ብሻድሻይ ወርሒ፥ ኣብ መበል ዕስራን ኣርባዕተን መዓልቲ ነበረ።
ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ብኢድ ነቢይ ሓጌ መፀ፦
ብዳርዮስ ብኻልኣይ ዓመት፥ ኣብ ታሽዓይ ወርሒ፥ ኣብ መበል ዕስራን ኣርባዕተን መዓልቲ፥ ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ብነቢይ ሓጌ መፀ፦
ኣብ መበል ዕስራን ኣርባዕተን መዓልቲ ናይታ ወርሒ፥ ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ንኻልኣይ ጊዜ ናብ ሓጌ መፀ።
ዳርዮስ ምስ ነገሰ፥ ኣብ ካልኣይ ዓመቱ፥ ኣብ መበል ዕስራን ኣርባዕተን መዓልቲ፥ በታ ሰባጥ ተባሂላ እትፅዋዕ መበል ዓሰርተ ሓደ ወርሒ፥ ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር፥ ናብ ወዲ ሃዶ ወዲ በራክዩ ናብ ነቢይ ዘካርያስ መፀ።
መሊሱ ኸምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ናባይ መፀ፦
ዳርዮስ ምስ ነገሰ ኣብ ራብዓይ ዓመቱ፥ ካሴሉ ብዝበሃል ታሽዓይ ወርሒ፥ ብራብዐይቲ መዓልቲ ኸምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ናብ ዘካርያስ መፀ።
ካብ ደም እቲ ፃድቕ ኣቤል ጀሚሩ፥ ክሳዕ ደም እቲ ኣብ መንጎ ቤተ መቕደስን መሰውእን ዝቐተልኩምዎ ዘካርያስ ወዲ በራኽዩ፥ ፍዳ እቲ ኣብ ምድሪ ዝፈሰሰ ደም ኵሎም ፃድቃን፥ ኣባኻትኩም ክበፅሕ እዩ።