9 ንስኻ ግና ኻብ ናይ ዕሽነት ክርክርን፥ ካብ ትውልዲ ምቝፃርን፥ ጐይቊን፥ ኣብ ሕጊ ሙሴ ኻብ ዝለዓል፥ ክትዕን ባእስን ረሓቕ፤ እዙይ ጥቕሚ ዘይብሉን ከንቱን እዩ እሞ።
ፍረ ብዘይብሉ፥ ብዘይጠቅም ዘረባዶ፥ ይከራኸረሉ እዩ?
ውህብቶ ትንቢት እንተ ሃለወኒ፥ ኵሉ ምስጢራትን ኵሉ ፍልጠትን እንተ ፈለጥኩ፥ እምባታት ክሳዕ ዘፍልስ ከዓ፥ ፍፁም እምነት እንተ ሃልዩኒ፥ ግና ፍቕሪ እንተ ዘይብለይ፥ ከንቱ እየ።
ብዛዕባ ንጣዖት ዝተሰውአ ግና፥ “ኵላትና ፍልጠት ከም ዘለና” ንፈልጥ ኢና። ፍልጠት ትዕቢት የሕድር፤ ፍቕሪ ግና ይሃንፅ።
ግና ኻብ ቅለትን፥ ካብ ወግዒ ኣረጋውያት ኣንስቲ ዝመሰለ ተረትን ረሓቕ። ንመፈሳዊ ህይወት ንባዕልኻ ኣለማምድ።
ንዝሰምዕዎ ብዘጥፍእ፥ ረብሓ ብዘይብሉ ቓል ከይበኣሱ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር እናመዓድካ፥ ነዙይ ኣዘክሮም።
ነቲ ቑም ነገር ዘይብሉ ኸንቱ ኽትዕ ግና፥ ካባኻ ኣርሕቆ፤ እቶም ነዙይ ዘዘውትሩ፥ ካብ እግዚኣብሄር እናረሓቑ እዮም ዝኸዱ እሞ።
ባእሲ ኸም ዘምፅእ ፈሊጥካ፥ ካብቲ ናይ ዕሽነትን ከንቱ ኽርክርን ረሓቕ።
እቲ ኣብ ማእኸልኩም ዘሎ ውግእን ባእስን፥ ካበይ ድዩ ዝመፅእ ዘሎ? ካብቲ ኣብ ውሽጥኹም ኮይኑ ዝዋጋእ ዘሎ፥ ፍትወት ስጋኹምዶ ኣይኮነን?