Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ቲቶ 3:8 - መፅሓፍ ቅዱስ

8 እዙይ እሙን ዘረባ እዩ። ነቶም ብእግዚኣብሄር ዝኣመኑ፥ ሰናይ ግብሪ ንምግባር ምእንቲ ኽተግሁ፥ ነዙይ ኣፀቢቕካ ኽተረድኦም እደሊ ኣለኹ። እዙይ ፅቡቕን ንሰብ ዝጠቅምን እዩ።

Ver Capítulo Copiar




ቲቶ 3:8
26 Referencias Cruzadas  

“ብሓቂ ሰብዶ ንእግዚኣብሄር ክጠቕሞ ይኽእል እዩ? እቲ ጥበበኛ ሰብ ንባዕሉ እዩ ዝጠቅም።


ብእግዚኣብሄር ኣይኣመኑንሞ፥ ብምድሓኑውን ኣይተኣማመኑንሞ።


ሓሳዊ ምስክር ይጠፍእ፤ ዝሰምዕ ሰብ ግና ኣስተውዒሉ ይናገር።


ንኣኣቶም ከዓ ‘ንስኻትኩምውን ናብቲ ኣታኽልቲ ወይነይ ኪዱ እሞ ስርሑ፤ እቲ ዝግባእ ክኸፍለኩም እየ’ በሎም፤ ንሳቶም ከዓ ኸዱ።


ኢየሱስ ከዓ ዓው ኢሉ ኸምዙይ በለ፦ “እቲ ዅሉ ብኣይ ዝኣምን፥ ብኣይ ጥራሕ ዘይኮነስ፥ በቲ ዝለኣኸኒውን እዩ ዝኣምን።


ብሓቂ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፥ እቲ ንቓለይ ዝሰምዕ፥ በቲ ዝለኣኸኒውን ዝኣምን፥ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኣለዎ፤ ንሱ ኻብ ሞት ናብ ህይወት ይሳገር እምበር፥ ናብ ፍርዲ ኣይቐርብን እዩ።


ንሳቶም ግና፥ “ዓቢድኪ ዲኺ” በልዋ። ንሳ ግና፥ ብሓቂ ንሱ እዩ ኢላ ኣረጋገፀት። ሽዑ “መልኣኹ እዩ ዝኸውን” በሉ።


ሰብ ሰናይ ተግባር እንተ ዘይብሉ እኳ፥ በቲ ንሓጢኣተኛታት ዘፅድቕ እግዚኣብሄር እንተ ኣሚኑ፥ እቲ እምነቱ፥ ፅድቂ ኾይኑ ይቝፀረሉ እዩ።


ከምቲ “ኣመንኩ፤ ስለዙይ ተዛረብኩ” ተብሂሉ ዝተፅሓፈ፥ ሓደ ዝዓይነቱ መንፈስ እምነት ስለ ዘለና፥ ንሕና ድማ ነኣምን፤ ስለዙይውን ንዛረብ ኣለና።


እቲ ሰራቒ ዝነበረ፥ ደጊም ኣይስረቕ፤ እኳ ደኣ፥ ነቲ ዝፀገሞ ዘማቕሎ ምእንቲ ኽህልዎስ፥ ፅቡቕ ስራሕ እናሰርሐ ደኣ፥ በእዳዉ ይፅዓር እምበር።


“ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ንሓጥኣን ከድሕን መፀ” ዝብል ቃል፥ እሙንን ኵሉ ሰብ ክቕበሎ ዝግባእን እዩ። ኣነ ኸዓ፥ ካብ ኵሉ ዝገደድኩ ሓጢኣተኛ እየ።


ኵሎም ሰብኡት፥ ካብ ኵራን ባእስን ርሒቖም፥ ኣብ ኵሉ ስፍራ፥ ቅዱሳት ኣእዳዎም ኣልዒሎም፥ ክፅልዩ እደሊ ኣለኹ።


በዝ ምኽንያትዙይ ከዓ እየ፥ መከራ ዝቕበል ዘለኹ፤ ግና ንመን ከም ዝኣመንኩ ስለ ዝፈልጥ፥ ኣይሓፍርን እየ። ንሱ ኸዓ ነቲ ዝሃብክዎ ሕድሪ፥ ክሳዕ እታ መዓልቲ ጐይታ ኽሕልወለይ ከም ዝኽእል ርግፀኛ እየ።


ንሱ በቲ ቕኑዕ ትምህርቲ ምእንቲ ኽምዕድ፥ ነቶም ዝቃወሙውን መልሲ ምሃብ ምእንቲ ክኽእል፥ በቲ ዝተምሃሮ እሙን ዝኾነ ቓል ይፅናዕ።


ንሱ ኻብ ኵሉ ሓጢኣት ሓራ ምእንቲ ኸውፅአና፥ ንሰናይ ግብሪ ዝቐንኡ፥ ንእኡ ዝኾንዎ ህዝቢ ምእንቲ ኸንፅህ፥ ንባዕሉ ቤዛና ኣሕሊፉ ሃበ።


እቶም ዝቃወሙ፥ ብዛዕባና ዝብልዎ ኽፉእ ነገር ስኢኖም ምእንቲ ኽሓፍሩስ፥ ክትምህር እንተለኻ እሙን ብምዃን፥ ብምስትውዓል፥ ነቐፋ ብዘይብሉ ዘረባ፥ ብዅሉ ሰናይ ግብሪ እናዘውተርካ ኣርኣያ ኹኖም።


ነቶም ህዝቢ፥ ንገዛእትን ንሰብ ስልጣንን፥ ክግዝኡን ክእዘዙን፥ ንዅሉ ሰናይ ግብሪ ዝተዳለዉ ክኾኑን፥


እቶም ናትናውን፥ ዕለታዊ ምግቦም ባዕልቶም ክሓልዩ፥ ሰናይ ስራሕ ክሰርሑ ደኣ ይመሃሩ እምበር፥ ብዘይ ፍረ ኣይንበሩ።


ንሱ ቐደም ኣይጠቐመካን፤ ሕዚ ግና ንኣኻን ንኣይን ይጠቕመና እዩ።


ንፍቕርን ንሰናይ ግብርን፥ ንስንሳትና ኽንነቓቓሕ ንፅዓር።


እምነትኩምን ተስፋኹምን ኣብ እግዚኣብሄር ምእንቲ ክኸውን፥ ብኢየሱስ ነቲ ንእኡ ኻብ ሞት ዘተስኦ፥ ክብሪውን ዝሃቦ፥ ብእግዚኣብሄር ኣመንኩም።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos