2 ንሓደኳ ኽፉእ ዘይዛረቡ፥ ዘይበኣሱን ምቕሉላትን፥ ምስ ኵሉ ሰብ ድማ፥ ብትሕትና ዝነብሩን ክኾኑ ኣዘኻኽሮም።
ዋልታ ምድሓንካ ሃብካኒ፤ ተግሳፅካውን ኣዕበየኒ።
ክፉእ ተናጋሪ ሰብ፥ ኣብ ምድሪ ፀኒዑ ኣይነብርን፤ ንዓመፀኛ ሰብውን ክፍኣት ክተጥፍኦ ትደልዮ።
ቍጡዕ ሰብ ቅፅዓቱ ይኸፍል፤ እንተናገፍካዮ ድማ መሊስካ ተግድዶ።
ምስ ናግራም ሰበይቲ፥ ኣብ ሓደ ቤት ካብ ምቕማጥ፥ ኣብ ዝባን ናሕሲ፥ ብሓደ ወገን ምቕማጥ ይሐይሽ።
“ሓሰት ዝዛረብ ሓሳዊ ምስክር፥ ኣብ መንጎ ኣሕዋት ባእሲ ዘሳውር ሰብ” እየን።
ንሱ ንመጓሰኡ ኸም ጓሳ የውፍረን፤ ንመሓሲኡ ኣኪቡ ኣብ ሕቝፉ ይስከመን፤ ነተን ዘጥብዋ ድማ ብህድኣት ይመርሐን።
ኣርዑተይ ፁሩ፤ ካባይውን ተምሃሩ፤ ኣነ የዋህ እየ፤ ልበይውን ትሑት እዩ እሞ፥ ንነፍስኹም ዕረፍቲ ኽትረኽቡ ኢኹም።
ጳውሎስ ድማ “ኣሕዋተይ፥ ሊቀ ካህናት ምዃኑ ብዘይምፍላጠይ እየ፤ ‘ንሹም ህዝብኻ ኣይትፅረፍ’ ዝብል ተፅሒፉ እዩ እሞ” በሎም።
ሰረቕቲ፥ ወይ ስሱዓት፥ ወይ ሰካራማት፥ ወይ ተፃረፍቲ፥ ወይ ከተርቲ፥ ንመንግስቲ እግዚኣብሄር ኣይወርስዋን እዮም።
ኣነ ኻብ ኵሉ ሓራ እንተለኹ፥ ንብዙሓት ምእንቲ ኽጠቅም፥ ንርእሰይ ባርያ ዅላቶም ገበርኩ።
ኣነ ጳውሎስ፥ ኣብ ቅድሜኹም ትሑት፥ ካባኻትኩም እንትርሕቕ ግና፥ ደፋር ዝተብሃልኩ፥ ብናይ ክርስቶስ ሕያዋይነትን ለውሃትን፥ እልምነኩም ኣለኹ።
ክመፅእ እንተለኹ፥ ከምቲ ኣነ ዘይደልዮ ዄንኩም ከይረኽበኩም፥ ንኣይውን ከምቲ ንስኻትኩም ዘይትደልይዎ ኾይነ ኸይትረኽቡኒ፥ ምናልባሽውን ባእሲ፥ ቅንኢ፥ ቍጥዓ፥ ሻራ፥ ምፅላም ስም፥ ሓሜት፥ ትዕቢት፥ ህውከት፥ ከይህልወኩም እፈርሕ ኣለኹ።
ፍረ መንፈስ ቅዱስ ግና፥ ፍቕሪ፥ ሓጐስ፥ ሰላም፥ ትዕግስቲ፥ ልግሲ፥ ሕያዋይነት፥ እምነት፥
ኣቱም ኣሕዋተይ፥ ሓደ ሰብ ኣብ ሓጢኣት እንተ ተረኽበ፥ መንፈሳውያን ዝኾንኩም ንስኻትኩም፥ ነዝ ኸምዙይ ዝበለ ሰብ፥ ብለውሃት መንፈስ ምለስዎ። ንስኻውን ከምኡ ኸይትፍተን፥ ንባዕልኻ ተጠንቀቕ።
እምበኣር ጊዜ እንተለና፥ ንዅሉ ሰብ፥ ብሕልፊ እኳ፥ ነቶም ብእምነት ኣሕዋትና ዝኾኑ፥ ሰናይ ንግበር።
ብሓቂ ትሑታትን፥ ለዋሃትን ኩኑ፤ ንስንሳትኩም ብፍቕሪ እናተፃወርኩም ድማ፥ ዕጉሳት ኩኑ።
ኵሉ ምረትን፥ ንደትን፥ ቍጥዓን፥ ሁከትን፥ ፀርፍን፥ ካባኻትኩም ኣርሕቑ።
ልውህናኹም ኣብ ኵሉ ሰብ ይፈለጥ፤ ጐይታ ቐረባ እዩ።
እንተ ኾነ ኸምታ ነናእሽተይ ደቃ እትከናኸን እኖ፥ ኣብ ማእኸልኩም ርህሩሃት ነበርና።
ኣንስትውን ከምኡ መስተውዐልቲ፥ ዘይሓምያ፥ ብመጠን ዝነብራ፥ ብዅሉውን እሙናት ክኾና ይግባእ።
ዘይሰክር፥ ዘይበኣስ፥ ሕያዋይ፥ ዘይተሃላለኽ፥ ፈታዊ ገንዘብ ዘይኮነ፥
እታ ኻብ ላዕሊ ዝኾነት ጥበብ ግና፥ ቅድሚ ዅሉ ንፅህቲ እያ። ደሓር ከዓ ሰላማዊት፥ ሕያወይቲ፥ ሕራይ በሃሊት፥ ገባሪት ምሕረት፥ ፅቡቕ ፍረ ዝመልአት፥ ጥርጥርን ግብዝናን ዘይብላ እያ።
ኣቱም ኣሕዋተይ፥ ንስንሳትኩም ኣይትተሓማመዩ። እቲ ንሓዉ ዝሓሚ ወይ ኣብ ልዕሊ ሓዉ ዝፈርድ፥ ንሕጊ እግዚኣብሄር እዩ ዝሓሚ፤ ኣብ ልዕሊ ሕጊ እውን ይፈርድ፤ ንሕጊ ትፈርድ እንተ ደኣ ዄንካ፥ ፈራዲ እምበር ፈፃሚ ኣይኮንካን።
እምበኣር ንዅሉ ኽፍኣትን፥ ምትላልን፥ ግብዝናን፥ ቅንእን፥ ሓሜትን ኣወግዱ።
ከምቲ መፅሓፍ ዝብሎ፦ “እቲ ህይወት ዝፈቱ፥ ሰናያት መዓልቲታት ከዓ ኽርኢ ዝደሊ፥ ልሳኑ ኻብ ክፉእ፥ ከናፍሩውን ተንኰል ከይዛረባ ይኸልክል።
እምበኣር ተሳኒኹም ንበሩ፤ ተራሃራህቲ፥ ፍቕሪ ኣሕዋት ዘለኩም፥ ለዋሃትን ትሑታትን ኩኑ።
ናብቲ ዘፀይፍ ርኽሰት፥ ምስኣቶም ስለ ዘይጐየኹም ይግረሙ፤ ንኣኻትኩም ከዓ፥ ይፀርፉኹም ኣለዉ።
ብሕልፊ እኳ፥ ደድሕሪ እቲ ርኹስ ዝኾነ ስጋዊ ፍትወቶም ንዝስዕቡ፥ ንስልጣን እግዚኣብሄርውን ንዝንዕቑ፥ ንፍርዲ ኸፅንሖም እዩ። ደፋራትን ትዕቢተኛታትን ስለ ዝኾኑ፥ ነቶም ናይ ሰማይ ስልጣናት እንትፃረፉ ኣይፈርሑን።
እዚኣቶም ግና፥ ነቲ ዅሉ ዘይፈልጥዎ ይፀርፉ፤ እቲ ኸም እንስሳ፥ ብባህሪኦም ዝፈልጥዎ እኳ፥ ንባዕላቶም የጥፍኦም ኣሎ።
ከምኡ ኸዓ፥ እዞም ሰባት እዚኣቶም፥ ብሕልሞም ስጋኦም የርክሱ፤ ንዅሉ ስልጣን የቃልሉ፤ ነቶም ኣብ ሰማይ ዝነብሩ ኽቡራንውን ይፀርፉ።