12 ኣብ ኒቆጵልዮን ክኸርም ወሲነ ኣለኹ እሞ፥ ንኣርጢሞን ወይ ንቲኪቆስ ምስ ለኣኽኩልካ፥ ዝገበርካ ጌርካ ናባይ ምፃእ።
በዓል ቤርያ ዝኾነ ጴጥሮስ ወዲ ጲሮስ፥ ኣርስጦርኮስን ሲኮንዱስን ሰብ ተሰሎንቄ፥ ጋይዮስ በዓል ደርቤን፥ ከምኡ ኸዓ ጢሞቴዎስ፥ ካብ እስያ ኸዓ ቲኪቆስን ጥሮፊሞስን፥ ክሳዕ እስያ ኣፋነውዎ።
ናብቲ ዝኸዶ ዓዲ ምእንቲ ኽተፋንዉኒ፥ ምናልባሽ ምሳኻትኩም እፀንሕ ወይ እኸርም እኸውን እየ።
ሕዚ ኸዓ ኸመይ ከም ዘለኹን፥ እንታይ ከም ዝገብርን ምእንቲ ኽትፈልጡ፥ እቲ ፍቑር ሓወይን ብጐይታ ኸዓ፥ እሙን ኣገልጋልን ዝኾነ ቲኪቆስ፥ ኵሉ ኽነግረኩም እዩ።
ቲኪቆስ፥ እቲ ፍቑር ሓውናን፥ እሙን ኣገልጋልን፥ ብጐይታ መሳርሕተይን፥ ከመይ ከም ዘለኹ ኸፍልጠኩም እዩ።
ንቲኪቆስ ግና፥ ናብ ኤፌሶን ሰዲደዮ ኣለኹ።
ቅድሚ ኽረምቲ ንኽትመፅእ ዝከኣለካ ግበር። ኤውግሎስን ጱዴስን ሊኖስን ቀላውድያንን ኣሕዋትናውን፥ ሰላም ይብሉኻ ኣለዉ።
ጢሞቴዎስ፥ ቀልጢፍካ ናባይ ምፃእ።