10 ነቲ ምፍልላይ ዝፈጥር ሰብ፥ ሓደ ወይ ክልተ ጊዜ ምስ መኸርካዮ፥ እንተ ኣበየ ኻብኡ ረሓቕ።
ኣሕዋተይ፥ ክትፍፅምዎ ኣብ ልዕሊ ዝተቐበልኩምዎ ትምህርቲ ዝቓወሙን፥ ኣብ ማእኸልኩም ምፍልላይን ፀገማትን ካብ ዘምፅኡ ሰባት ክትጥንቀቑ፥ ካብኣቶምውን ኽትርሕቑ ሓደራ እብለኩም ኣለኹ።
እቶም ቅኑዓት ምእንቲ ኽገሃዱስ፥ ኣብ ማእኸልኩም ምፍልላይ ክኸውን ግድን እዩ።
ካልኣይ ምሳኻትኩም ኣብ ዝነበርኩሉ ጊዜ፥ ኣጠንቂቐዮም ከም ዝነበርኩ፥ ሕዚ እውን ኣብ ርሑቕ ኮይነ፥ ነቶም ሓጢኣት ዝገብሩን፥ ነቶም ካልኦትን፥ ኣጠንቅቖም ኣለኹ። ኣብ ምምፃአይ ንሓደኳ ኣይርህርሀሉን፤
እቶም ዝህውኹኹም ሰባት፥ እንተ ደልዮም ይሰለቡ።
ኣምልኾ ጣዖት፥ ጥንቈላ፥ ፅልኢ፥ ክርክር፥ ቅንኢ፥ ቍጥዓ፥ ንባዕልኻ ምፍታው፥ ምፍልላይ፥ መናፍቕነት፥
ነቲ በዛ መልእኽቲ እዚኣ እንብሎ ቓል፥ ዘይእዘዝ እንተ ሃልዩ ኣለልይዎ፤ ምእንቲ ኽሓፍር ከዓ፥ ምስኡ ኣይትሕበሩ።
ሕዚ ኸዓ ኣቱም ኣሕዋትና፥ በቲ ኻባና ዝተቐበልኩምዎ ትምህርቲ ዘይነብር፥ ብዘይ ስርዓት ካብ ዝመላለስ ሓው ክትፍለዩ፥ ብስም ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ንእዝዘኩም ኣለና።
ስርዓት ኣምልኾ ኣለዎም፤ ነቲ ሓይሉ ግና ዝኸሓዱ እዮም እሞ፥ ካብዚኣቶም ረሓቕ።
ግና ሓሰውቲ ነቢያት ኣብ ማእኸል ህዝቢ እግዚኣብሄር ተሲኦም ከም ዝነበሩ፥ ኣብ ማእኸልኩምውን፥ ሓሰውቲ መምህራን ክትስኡ እዮም። ንሳቶም ብሕቡእ፥ ጥፍኣት ዘስዕብ መናፍቕነት ከምፅኡ እዮም። ነቲ ዝተቤዘዎም ጐይታ ብምኽሓድውን፥ ኣብ ልዕሊኣቶም፥ ቅልጡፍ ጥፍኣት ከምፅኡ እዮም።
ነዝ ትምህርቲ እዙይ እንተይሓዘ ናባኻትኩም ንዝመፅእ፥ ኣብ ገዛኻትኩም ኣይትቀበልዎ፤ ሰላምውን ኣይትበልዎ።