1 ነቶም ህዝቢ፥ ንገዛእትን ንሰብ ስልጣንን፥ ክግዝኡን ክእዘዙን፥ ንዅሉ ሰናይ ግብሪ ዝተዳለዉ ክኾኑን፥
ወደይ፥ ንእግዚኣብሄር ፍራሕ፤ ንንጉስ ከዓ ኣኽብር፤ ምስ ዓመፅትውን ኣይትፀመር።
ትዕግስቲ ንዓብዪ በደል ተህድእ እያ እሞ፥ ገዛኢ እንተ ተቘጥዐካ ስፍራኻ ኣይትሕደግ።
“ኣዘክረኒ እሞ ንስንሳትና ንማጐት፤ ክትፀድቕስ ጭብጥኻ ኣቕርብ።
ስለዙይ ኣይትስምዕዎም፤ ብህይወት ምእንቲ ኽትነብሩ፥ ንንጉስ ባቢሎን ደኣ ተገዝኡ። ስለ ምንታይከ እዛ ኸተማ እዚኣ እትዓኑ?
ንሳቶም ከዓ “ናይ ቄሳር እዩ” በልዎ። “እምበኣር ናይ ቄሳር፥ ንቄሳር፥ ናይ እግዚኣብሄር ድማ፥ ንእግዚኣብሄር ሃቡ” በሎም።
ስለዙይ፥ ፍቑራት ኣሕዋተይ፥ ፃዕርኹም ብጐይታ ኸንቱ ኸም ዘይኮነ ፈሊጥኩም ኢኹምሞ፥ ፅኑዓት፥ ዘይትነቓነቑ፥ ኵሉ ጊዜ ስራሕ ጐይታ ዝበዝሐልኩም ኩኑ።
ንሕና ፍጥረቱ ኢናሞ፥ ምእንቲ ኽንመላለሰሉ ኣቐዲሙ ዘዳለዎ ሰናይ ተግባር እናፈፀምና ኽንነብር፥ ብኢየሱስ ክርስቶስ ተፈጠርና።
ነቲ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ከገልግል ደው ዝብል ካህን ወይ ነቲ ፈራዲ ተዓብዩ ምስማዕ ዝኣብዮ ሰብ ይቀተል። ከምዙይ ጌርኩም ነቲ ኽፉእ ካብ እስራኤል ኣርሕቕዎ።
ንኽብሪ እግዚኣብሄርን ንውዳሴኡን ከዓ፥ በቲ ኻብ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝርከብ፥ ፍረ ፅድቂ ምእንቲ ኽትምልኡ፥ እፅሊ ኣለኹ።
ብዅሉ ሰናይ ተግባር ፍረ እናፈረኹም፥ ንእግዚኣብሄር ብምፍላጥ እናዓበኹም፥ ንእኡ ብዝበቅዕ ህይወት እናነበርኩም፥ ንጐይታ ብዅሉ ምእንቲ ኽተሐጕስዎ፥ ንፅሊ ኣለና።
ምእንቲ ነገስታትን፥ ምእንቲ ሰበ ስልጣንን፥ ክግበር እምዕድ ኣለኹ። እዙይ ከዓ ብመንፈሳዊነትን፥ ህዱእን፥ ሰላማዊን፥ ዝኾነ ህይወት ምእንቲ ኽንነብር እዩ።
እዝ ትምህርቲ እዙይ፥ ነቶም ኣሕዋት እንተ ገለፅካሎም፥ ቃል እምነትን፥ እቲ ተኣሚንካ ዝሰዓብካዮ ፅቡቕ ትምህርትን፥ ዝተመገበ ሕያዋይ ኣገልጋሊ ኢየሱስ ክርስቶስ ክትከውን ኢኻ።
ስለዙይ ነቲ ብምንባር ኢደይ ዝተቐበልካዮ፥ ኣባኻ ዘሎ ውህብቶ እግዚኣብሄር፥ ክተለዓዕሎ ኣዘክረካ ኣለኹ።
ንዝሰምዕዎ ብዘጥፍእ፥ ረብሓ ብዘይብሉ ቓል ከይበኣሱ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር እናመዓድካ፥ ነዙይ ኣዘክሮም።
እምበኣር፥ ካብ ኵሉ ኽፍኣት፥ ንባዕሉ ዘንፅሀ ሰብ፥ ንሱ ናይ ክብሪ ኣቕሓ፥ ዝተቐደሰ፥ ንኣገልግሎት ጐይታኡ ዝጠቅም፥ ንዅሉ ሰናይ ግብሪ ዝተዳለወ ይኸውን።
“ንእግዚኣብሄር ንፈልጦ ኢና” ይብሉ፤ ብተግባሮም ግና ይኽሕድዎ፤ ዘፀይፉን ዘይእዙዛትን፥ ሰናይ ንምስራሕ ዘይበቕዑን እዮም።
ንሱ ኻብ ኵሉ ሓጢኣት ሓራ ምእንቲ ኸውፅአና፥ ንሰናይ ግብሪ ዝቐንኡ፥ ንእኡ ዝኾንዎ ህዝቢ ምእንቲ ኸንፅህ፥ ንባዕሉ ቤዛና ኣሕሊፉ ሃበ።
እቶም ናትናውን፥ ዕለታዊ ምግቦም ባዕልቶም ክሓልዩ፥ ሰናይ ስራሕ ክሰርሑ ደኣ ይመሃሩ እምበር፥ ብዘይ ፍረ ኣይንበሩ።
እዙይ እሙን ዘረባ እዩ። ነቶም ብእግዚኣብሄር ዝኣመኑ፥ ሰናይ ግብሪ ንምግባር ምእንቲ ኽተግሁ፥ ነዙይ ኣፀቢቕካ ኽተረድኦም እደሊ ኣለኹ። እዙይ ፅቡቕን ንሰብ ዝጠቅምን እዩ።
ብኢየሱስ ክርስቶስ፥ ኣብ ቅድሚኡ ደስ ዘብሎ ኣባኻትኩም እናገበረ፥ ፍቓዱ ምእንቲ ኽትፍፅሙ፥ ብዅሉ ሰናይ ግብሪ ፍፁማን ይግበርኩም። ንእኡ ኻብ ዘለኣለም ንዘለኣለም ክብሪ ይኹኖ። ኣሜን።
ስለዙይ እንተ ፈለጥኩምዎ እኳ፥ ኣብቲ ዘለኩም ሓቂ እውን እንተ ፀናዕኹም፥ ነዝ ነገር እዙይ፥ ኵሉ ጊዜ ኸዘኻኽረኩም ሸለል ኣይብልን።
ንዅሉ ትፈልጥዎ እንተ ኾንኩም እኳ፥ ጐይታ ንህዝቡ ኻብ ምድሪ ግብፂ ኣውፂኡ ኸም ዘድሓኖም፥ ነቶም ዘይኣምኑ ግና፥ ከም ዘጥፍኦም ከዘኻኽረኩም እፈቱ።