2 ነቶም ኣረጋውያን፥ ጥንቁቓት፥ ክብሮም ዝሕልዉ፥ ለባማት፥ ብእምነትን ብፍቕርን ብትዕግስትን ጥዑያት ክኾኑ መዓዶም።
ጥበብ ኣብ ሽምግልና፥ ምስትውዓልውን ብነዊሕ ዕድመ ይርከብ።”
ሽዑ ብዝለምለመ ሽምግልና ይፈርዩ፤ ሕጉሳት ኮይኖምውን ይነብሩ፤
ሰያብ ፀጕሪ ናይ ክብረት ዘውዲ እዩ፤ ብመንገዲ ፅድቂ ድማ ይርከብ።
ድሕሪዙይ ሓፂር ዝዕድሚኡ ህፃንን ዕድመ ዘይፀገበ ኣረጋዊን፥ ኣብኣተን ኣይርከብን እዩ። ጐበዝ ሚእቲ ዓመት ኴንዎ ይመውት፤ እቲ ሓጢኣተኛውን ሚእቲ ዓመት ኴንዎ ዝተረገመ ይኸውን።
ኣብ ቅድሚ ኣረጋዊ ተስእ፤ ንሽማግለውን ኣኽብር፤ ንኣምላኽካ እውን ፍራሕ፤ ኣነ እግዚኣብሄር እየ።
ናብ ኢየሱስ ምስ መፁ ድማ፥ እቲ ጋኔን ሒዝዎ፥ [ሌጌዎን] ሓዲርዎ ዝነበረ ሰብ ኮፍ ኢሉ፥ ክዳኑ ተኸዲኑ፥ ናብ ልቡ ተመሊሱ ረአይዎ እሞ ፈርሑ።
እቶም ህዝቢ ድማ እቲ ዝኾነ ነገር ክሪኡ ወፁ፤ ናብ ኢየሱስ መፂኦም ከዓ፥ እቲ ኣጋንንቲ ዝወፁሉ ሰብኣይ፥ ክዳኑ ተኸዲኑ፥ ናብ ልቡ ተመሊሱ፥ ኣብ እግሪ ኢየሱስ ተቐሚጡ ረኸብዎ እሞ ፈርሑ።
ብዛዕባ ፅድቅን፥ ንባዕልኻ ምግታእን፥ ብዛዕባ ዝመፅእ ፍርድን፥ ምስ ነገሮም ፊልክስ ፈሪሑ፥ “ሕዚ ኺድ፤ ብዝምችወኒ ጊዜ ኽትመፅእ ክልእኸልካ እየ” በሎ።
ከምቲ እግዚኣብሄር ንነፍሲ ወከፍ ዝዓደሎ መጠን እምነት ገይሩ ደኣ፥ ብዛዕባ ርእሱ ብልክዕ ይሕሰብ እምበር፥ ካብቲ ዝግብኦ ኣብሊፁ ኸይሓስብስ፥ ንነፍሲ ወከፍ ኣብ ማእኸልኩም ንዘሎ፥ ብዝተውሃበኒ ፀጋ እምዕዶ ኣለኹ።
ቅንዕና ንምግባር ተበራበሩ፤ ሓጢኣትውን ኣይትግበሩ፤ ገሊኣቶም ካባኻትኩም፥ ንእግዚኣብሄር ዘይፈልጥዎ ኣለዉሞ፥ ምእንቲ ኽትሓፍሩ ኢለ እየ፥ እዙይ ዝብል ዘለኹ።
እቲ ዅሉ ዝቃለስ፥ ብዅሉ ንባዕሉ መሊኹ እዩ ዝነብር። እዚኣቶም ነቲ ሓላፊ ኣኽሊል ምእንቲ ኽቕበሉ ይፅዕሩ፤ ንሕና ግና፥ ነቲ ዘይሓልፍ ኣኽሊል ክንቅበል ኢልና ኢና እንፅዕር።
ንሕናስ ዕቡዳት እንተ ዄንና፥ ንእግዚኣብሄር እዩ፤ ለባማት እንተ ዄንና ድማ፥ ንኣኻትኩም እዩ።
ለውሃት፥ ንባዕልኻ ምግዛእ እዩ። ነዝ ኸምዙይ ዝመሰለ፥ ዝኽልክል ሕጊ የለን።
ብዝተረፈ ኣሕዋተይ፥ ሓቂ ዝኾነ ዅሉ፥ ክቡር ዝኾነ ዅሉ፥ ሰናይ ዝኾነ ዅሉ፥ ንፁህ ዝኾነ ዅሉ፥ ተፈታዊ ዝኾነ ዅሉ፥ ቅኑዕ ዝኾነ ዅሉ፥ ብሉፅ ወይ ምስጉን ዝኾነ ነገር እንተ ሃልዩ፥ ብዛዕባ እዝ ነገራት እዙይ ሕሰቡ።
እምበኣር ንንቃሕ፤ ርእስና ንቘፃፀር ደኣ እምበር፥ ከምቶም ካልኦት ደቀስቲ ኣይንኹን።
ንሕና ግና፥ ደቂ መዓልቲ ስለ ዝኾንና፥ እምነትን ፍቕርን ከም ድርዒ ለቢስና፥ ናይ ድሕነት ተስፋ ኸዓ፥ ከም ቁራዕ ርእሲ ደፊእና፥ ርእስና ብምግታእ ንንበር።
ንዘመውቲ፥ ግብረ ሰዶም ንዝገብሩ፥ ነቶም ሰብ ዝሸጡ ነጋዶ፥ ንሓሰውቲ፥ ነቶም ብሓሰት ዝምሕሉ፥ ነቶም ንቕኑዕ ትምህርቲ ዝፃረር ዝገብሩ ዅሎም እዩ።
ኣብ ርእሲ እቲ ብክርስቶስ ኢየሱስ ዝረኸብናዮ እምነትን ፍቕርን፥ ፀጋ ጐይታና፥ ኣባይ ብዘይ መጠን በዝሐ።
ናብቲ ብእምነት፥ ናይ ሓቂ ወደይ ዝኾነ ጢሞቴዎስ፥ ካብ እግዚኣብሄር ኣቦናን፥ ካብ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን፥ ፀጋን ምሕረትን ሰላምን ንኣኻ ይኹን።
ናይዝ ትእዛዝ እዙይ ዕላማ ግና፥ እታ ኻብ ንፁህ ልቢ፥ ካብ ፅርይቲ ሕሊና፥ ካብ ሓቀኛ እምነት እትርከብ ፍቕሪ እያ።
ኣንስትውን ከምኡ መስተውዐልቲ፥ ዘይሓምያ፥ ብመጠን ዝነብራ፥ ብዅሉውን እሙናት ክኾና ይግባእ።
እምበኣር ኤጲስ ቆጶስ ዝኸውን፥ ነቐፋ ዘይብሉ፥ ሰብኣይ ሓንቲ ሰበይቲ፥ ብመጠን ዝነብር፥ ንባዕሉ ዝመልኽ፥ ብስርዓት ዝነብር፥ ተቐባሊ ጋሻ፥ ብቑዕ መምህር፥
ቤተሰቡ ብፅቡቕ ዘመሓድርን፥ ብቕንዕና ዝእዘዙ ውሉድ ዘለውዎን ይኹን።
ዲያቆናትውን ከምኡ መስተውዐልቲ፥ ቃሎም ዘይለዋውጡ፥ መስተ ዘየብዝሑ፥ ህርፋን ገንዘብ ዘይብሎም፥
ንኣረጋዊ ኣይተቃልል፤ እኳ ደኣ ንእኡ ኸም ኣቦ፥ ንኣጓብዝ ኸም ኣሕዋት፥ ንዓበይቲ ኣንስቲ ኸም እኖታት፥ ንኣናእሽቲ ኸም ኣሓት ቈፂርካ መዓዶም።
እዝ ምስክርነት እዙይ ሓቂ እዩ። ስለዙይ ቅኑዕ እምነት ምእንቲ ኽህልዎም፥ ናብ ተረት ኣይሁድን፥ ናብ ትእዛዛት እቶም ካብ ሓቂ ዘድሐርሕሩ ሰባትን፥ ከየዘንብሉ ኣፀቢቕካ ገስፆም።
እኳ ደኣ ተቐባሊ ጋሻ፥ ሰናይ ዝኾነ ዝፈቱ፥ ንባዕሉ ዝመልኽ፥ ቅኑዕ፥ ቅዱስን ብመጠን ዝነብርን ይኹን።
እቶም ዝቃወሙ፥ ብዛዕባና ዝብልዎ ኽፉእ ነገር ስኢኖም ምእንቲ ኽሓፍሩስ፥ ክትምህር እንተለኻ እሙን ብምዃን፥ ብምስትውዓል፥ ነቐፋ ብዘይብሉ ዘረባ፥ ብዅሉ ሰናይ ግብሪ እናዘውተርካ ኣርኣያ ኹኖም።
ኣነ ጳውሎስ፥ ሽማግለ፥ ሕዚ እውን ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ እሱር፥ ምእንቲ ፍቕሪ ኢለ፥
ስለዙይ ሕቘ ልቦናኹም ተዓጢቕኩም፥ ንስራሕ ተዳለዉ፤ ብመጠን ንበሩ፤ ሙሉእ ተስፋኹም ከዓ፥ ኢየሱስ ክርስቶስ እንትግለፅ፥ ኣብ እትረኽብዎ ፀጋ ይኹን።
ናይ ኵሉ ነገር መወዳእታ ቐሪቡ እዩ እሞ፥ ብትግሃት ምእንቲ ኽትፅልዩ፥ ርእስኹም እትመልኩን ጥንቁቓትን ኩኑ።
እቲ መፃርርትኹም ዲያብሎስ፥ ዝውሕጦ ደልዩ ኸም ዝጓዝም ኣንበሳ ይዘውር ኣሎ እሞ፥ ብመጠን ንበሩ፤ ንቕሑውን።
ኣብ ፍልጠት ከዓ ንባዕልኻ ምግዛእ፥ ኣብ ንባዕልኻ ምግዛእ ትዕግስቲ፥ ኣብ ትዕግስቲ ንእግዚኣብሄር ምምላኽ፥