11 ንዅሉ ሰብ ዘድሕን፥ ፀጋ እግዚኣብሄር ተገሊፁ እዩ እሞ፥
መንገድኻ ኣብ ምድሪ ምእንቲ ኽንፈልጥ፥ ምድሓንካውን ኣብ ማእኸል ኵሎም ኣህዛብ ክፍለጥስ፥ ገፅካ ኣብርሀልና።
እግዚኣብሄር ኣምላኽ ምሕረትን ሓቅን ይፈቱ፤ እግዚኣብሄር ሞገስን ክብርን ይህብ፤ ነቶም ብቕንዕና ዝኸዱ፥ እግዚኣብሄር ነቲ ሰናይ ዝኾነ ኣይኸልኦምን።
ኣብ ማእኸል ኣህዛብ “እግዚኣብሄር ነገሰ” በሉ፤ ከይትናወፅ ንዓለም ንሱ ኣፅንዓ፤ ንኣህዛብ ከዓ ብቕንዕና ይፈርድ።
“ኣምላኽ ኣነ እየ፤ ካልእ የለን እሞ፥ ኣቱም ኣብ ኵሉ ወሰናት ምድሪ ዘለኹም ህዝቢ፥ ናባይ ተመለሱ እሞ ደሓኑ።
ንሱውን “ንነገድ ያእቆብ ንምትሳእ፥ ነቶም ዝድሕኑ እስራኤል ናባይ ንምምላስ፥ ባርያይ ምዃንካ ንኣኻ የመና ዝቐለለ እዩሞ፥ ምድሓነይ ክሳዕ ወሰን ምድሪ ምእንቲ ኽበፅሕ፥ ብርሃን ኣህዛብ ክገብረካ” እየ።
እግዚኣብሄር ኣብ ቅድሚ ዅሎም ኣህዛብ፥ ዝተቐደሰ ቅልፅሙ ኸርኢ እዩ፤ ኵሎም ኣብ ወሰን ምድሪ ዘለዉ፥ ናይ ኣምላኽና ምድሓን ክሪኡ እዮም።
“ኣብ ልዕሊ ቤት ዳዊትን፥ ኣብ ልዕሊ ነበርቲ ኢየሩሳሌምን፥ መንፈስ ሞገስን ምህለላን ከፍስስ እየ። ንሳቶም ድማ ንእኡ፥ ነቲ ዝወግኡዎ ኽጥምቱ እዮም፤ ከምቲ ንሓደ ውሉድካ እትበኽየሉ ኽበኽዩሉ፥ ከምቲ ንበዅሪ ወድኻ መሪር ሓዘን እትሓዝነሉ ኣምሪሮም ክሓዝኑሉ እዮም።
ኣታ ዓብዪ እምባ፥ ንስኻ እንታይ ኢኻ? ኣብ ቅድሚ ዘሩባቤል፥ ለጥ ዝበለ ሜዳ ኽትከውን ኢኻ፤ ሰባት ሞገስ ይኹነሉ ኢሎም እናድመፁ፥ ንሱ ነቲ መዛዘሚ እምኒ ኸውፅኦ እዩ” ኢሉ ተናገረኒ።
እምበኣር ኪዱ እሞ፥ ንዅሎም ኣህዛብ ብስም ኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን እናጥመቕክምዎም፥ ነቲ ዅሉ ዝኣዘዝኩኹም ምእንቲ ኽሕልዉዎውን እናመሃርኩምዎም፥ ደቀ መዛሙርት ግበርዎም፤ እንሆ፥ ኣነ ድማ ኽሳዕ መወዳእታ ዓለም፥ ኵልሻዕ ምሳኻትኩም እየ።”
ከምዙይውን በሎም፦ “ናብ ኵሉ ዓለም ኪዱ፤ ንዅሉ ፍጥረት ከዓ፥ ወንጌል ስበኹ።
ብስሙ ኸዓ ንስሃን ሕድገት ሕጢኣትን፥ ካብ ኢየሩሳሌም ጀሚሩ፥ ኣብ ኵሎም ኣህዛብ ከም ዝስበኽ ተፅሒፉ እዩ።
ኵሉ ስጋ ዝለበሰውን ምድሓን እግዚኣብሄር ይርአ፤” ተብሂሉ ኸም ዝተፅሓፈ፥
እቲ ቓልውን ስጋ ኾነ፤ ፀጋን ሓቅን መሊእዎ ኸዓ ኣባና ሓደረ፤ ከምቲ ነቦኡ ሓደ ዝኾነ ውሉድ ዝረኽቦ ኽብሪ፥ ክብሩ ረአና።
እቲ ንዅሉ ሰብ ዘብርህ ናይ ብሓቂ ብርሃን ግና፥ እቲ ናብ ዓለም ዝመፀ እዩ።
ንሱ ኣብኡ ምስ በፅሐ፥ ፀጋ እግዚኣብሄር ሪኡ ተሓጐሰ፤ ብምሉእ ልቦም ብእግዚኣብሄር ፀኒዖም ክነብሩ ድማ መዓዶም።
እቲ ኣኼባ ምስ ተበተነ፥ ካብ ኣይሁድን ካብቶም ንእግዚኣብሄር ዝፈርሑ ናብ እምነት ኣይሁድ ዝኣተዉ ወገን ኣህዛብን፥ ብዙሓት ንጳውሎስን ንበርናባስን ሰዓብዎም። ንሳቶም ከዓ ተዛረብዎም፤ ኣብ ፀጋ እግዚኣብሄር ፀኒዖም ክነብሩ ድማ ኣተባብዕዎም።
እግዚኣብሄር ‘ክሳዕ ወሰን ምድሪ፥ ንምድሓን ምእንቲ ኽትከውን፥ ንኣህዛብ ብርሃን ገበርኩኻ’ ኢሉ ኣዚዙና እዩ እሞ።”
እግዚኣብሄር ነቲ ዘመን ድንቍርና፥ ሸለል ኢሉ ኣሕሊፍዎ ኣሎ። ሕዚ ግና፥ ኣብ ኵሉ ዓለም ዘሎ ዅሉ ሰብ፥ ክንሳህ ኣዚዙ ኣሎ።
ኣነ ግና ፀጋ እግዚኣብሄር ዝኾነ ወንጌል ንኽምስክርን ካብ ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተውሃበኒ ልእኽቶይን ጕያይን ክሳዕ ዝፍፅም፥ ንህይወተይ ኣየናሕስየላን፤ ከም ክብርቲ ገይረውን ኣይሪኣን እየ።”
እምበኣርከስ፥ ኣይሰምዑንዶ እብል ኣለኹ? እወ “ድምፆም ናብ ኵሉ ምድሪ ወፀ፤ ቃሎምውን ክሳዕ ወሰን ዓለም በፅሐ” ኸም ዝበሎ፥ ብርግፅ ሰሚዖም ኣለዉ።
ግና ፀጋ እግዚኣብሄርን፥ እቲ በደልን ሓደ ኣይኮነን፤ ብበደል ሓደ ሰብ፥ ብዙሓት ከም ዝሞቱ፥ እቲ ፀጋ እግዚኣብሄርን፥ እቲ ብኸምኡ ዝተውሃበ፥ ናይቲ ሓደ ሰብ፥ ብጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተረኽበ ውህብቶ ፀጋ፥ ኣብ ብዙሓት የመና በዚሑ ኣሎ።
ብእኡ ኸዓ፥ ናብዝ ሕዚ ዘለናዮ ፀጋ ብእምነት ኣተና፤ ብተስፋ ተኻፈልቲ ኽብሪ እግዚኣብሄር ስለ ዝኾንናውን፥ ንምካሕ ኣለና።
ሓቢርና መሳርሕቲ ከም ምዃንና፥ ፀጋ እግዚኣብሄር ንኸንቱ ኸይትቕበሉ፥ ንልምነኩም ኣለና።
ኣነስ ንፀጋ እግዚኣብሄር ኣየቃልልን፤ ፅድቂ፥ ሕጊ ብምፍፃም ዝርከብ እንተ ኾይኑ፥ እምበኣር ክርስቶስ ንኸንቱ እዩ ዝሞተ ማለት እዩ።
ብበደልና ምዉታን እኳ እንተ ነበርና፥ ምስ ክርስቶስ ህያዋን ገበረና፤ ብፀጋ ኢኹም ዝደሓንኩምሞ።
ንክርስቶስ ብምእማን፥ ብፀጋ ኢኹም ዝደሓንኩም። እዙይ ከዓ ውህብቶ እግዚኣብሄር እዩ እምበር፥ ካባኻትኩም ኣይኮነን።
እዙይ ከዓ ተመስሪትኩምን ደልዲልኩምን፥ ካብቲ ብወንጌል ዝረኸብኩምዎ ተስፋ እንተይተነቓነቕኩም፥ ኣብ እምነትኩም እንተ ፀኒዕኹም እዩ። እዙይ ከዓ፥ እቲ ንስኻትኩም ዝሰማዕኹምዎ፥ ኣብ ትሕቲ ሰማይ ንዘሎ ዅሉ ፍጥረት ዝተሰብከ፥ ወንጌል እዩ፤ ኣነ ጳውሎስውን፥ ነዝ ወንጌል ኣገልጋሊ ኾንኩ።
ከምቲ ወንጌል ኣብ ኵሉ ዓለም ፍረ የፍርን ይጋፋሕን ዘሎ፥ ካብታ ፀጋ እግዚኣብሄር ዝሰማዕኹምላን፥ ሓቂ ምዃና ዝተረዳእኹምላን መዓልቲ ጀሚሩ፥ ኣባኻትኩምውን ፍረ የፍርን ይሰፍሕን ኣሎ።
ባዕሉ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን፥ እቲ ዘፍቀረና፥ ብፀጋኡ ኸዓ፥ ዘለኣለማዊ ምፅንናዕን፥ ሰናይ ተስፋውን ዝሃበና እግዚኣብሄር ኣቦና፥
ኣብ ርእሲ እቲ ብክርስቶስ ኢየሱስ ዝረኸብናዮ እምነትን ፍቕርን፥ ፀጋ ጐይታና፥ ኣባይ ብዘይ መጠን በዝሐ።
ንሱ፥ ኵሉ ሰብ ክድሕንን፥ ናብ ፍልጠት ሓቂ ኽመፅእን፥ ይፈቱ እዩ እሞ።
እዝ ፀጋ እዙይ፥ ብምምፃእ መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ተገልፀ። ንሱ ንሞት ስዒሩ፥ ንህይወትን ንዘይሙማትን፥ ብወንጌል ናብ ብርሃን ኣውፅኦ።
ግና እቲ ወንጌል ብምልኣት ብኣይ ምእንቲ ኽስበኽ፥ ኵሎም ኣህዛብውን ምእንቲ ኽሰምዕዎ፥ ጐይታ ምሳይ ኮይኑ ኣበርትዐኒ፤ ካብ ኣፍ ኣንበሳውን ኣናገፈኒ።
ካብ ፀጋ እግዚኣብሄር ሓደኳ ኸይወፅእ፥ መሪር ሱር በቚሉውን ከየጨንቐኩም፥ ንብዙሓት ከዓ ኸየርክስ ተጠንቀቑ።
ነቲ ኻብ መላእኽቲ ንቑሩብ ኣንኣስካዮ ተብሂሉ ዝነበረ ኢየሱስ ግና፥ ብምኽንያት ሞቱ ሕዚ ኣኽሊል ክብርን ምስጋናን ደፊኡ ንሪኦ ኣለና። እዙይ ከዓ ንሱ ብፀጋ እግዚኣብሄር፥ ምእንቲ ዅሉ ሰብ ስለ ዝሞተ እዩ።