1 ንስኻ ግና፥ ህይወት ዝርከቦ ቕኑዕ ትምህርቲ መሃር።
ንዘመውቲ፥ ግብረ ሰዶም ንዝገብሩ፥ ነቶም ሰብ ዝሸጡ ነጋዶ፥ ንሓሰውቲ፥ ነቶም ብሓሰት ዝምሕሉ፥ ነቶም ንቕኑዕ ትምህርቲ ዝፃረር ዝገብሩ ዅሎም እዩ።
ሓደ ሰብ፥ ምስቲ ሓቀኛ ዝኾነ ቓል ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን፥ ምስቲ ንእግዚኣብሄር ምምሳል ዘይሰማማዕ ግጉይ ትምህርትን እንተ መሃረ፥
ነቲ ኻባይ ዝሰማዕኻዮ ቕኑዕ ትምህርቲ፥ ከም ኣብነት ጌርካ፥ በቲ ብኢየሱስ ክርስቶስ ዝርከብ፥ እምነትን ፍቕርን ሓልዎ።
ንሱ በቲ ቕኑዕ ትምህርቲ ምእንቲ ኽምዕድ፥ ነቶም ዝቃወሙውን መልሲ ምሃብ ምእንቲ ክኽእል፥ በቲ ዝተምሃሮ እሙን ዝኾነ ቓል ይፅናዕ።
እዙይ እሙን ዘረባ እዩ። ነቶም ብእግዚኣብሄር ዝኣመኑ፥ ሰናይ ግብሪ ንምግባር ምእንቲ ኽተግሁ፥ ነዙይ ኣፀቢቕካ ኽተረድኦም እደሊ ኣለኹ። እዙይ ፅቡቕን ንሰብ ዝጠቅምን እዩ።
እቲ ዝምህር፥ ቃል እግዚኣብሄር ይምሃር፤ እቲ ዘገልግል፥ በቲ እግዚኣብሄር ዝሃቦ ሓይሊ የገልግል፤ እዙይ ከዓ፥ እግዚኣብሄር፥ ብኢየሱስ ክርስቶስ፥ ብዅሉ ነገር ምእንቲ ኽምስገን እዩ። ክብርን ስልጣንን፥ ንዘለኣለመ ኣለም ንእኡ ይኹኖ። ኣሜን።