9 ንሱ በቲ ቕኑዕ ትምህርቲ ምእንቲ ኽምዕድ፥ ነቶም ዝቃወሙውን መልሲ ምሃብ ምእንቲ ክኽእል፥ በቲ ዝተምሃሮ እሙን ዝኾነ ቓል ይፅናዕ።
ሽዑ እግዚኣብሄር ንሰይጣን “ንኢዮብ ባርያይ ኣስተብሂልካዮዶ? ከምኡ ገይሩ ንእግዚኣብሄር ዝፈርሕን፥ ካብ ክፉእ ዝረሓቐን፥ ፍፁምን ቅኑዕን ሰብ ኣብ ምድሪ የለን። ንስኻ ብዘይ ምኽንያት ክተጥፍኦ ኽፈቕደልካ ለመንካኒ፥ ንሱ ግና ኸም ቀደሙ ፍፁም ኮይኑ ይነብር ኣሎ” በሎ።
ፅድቀይ ኣፅኒዐ ኽሕሉ እየ፤ ፈፂመውን ኣይሓድጎን እየ፤ ኣብተን መዓልትታተይ ስለ ሓንቲኳ ልበይ ኣይነቕፈንን።
ንሓቂ ዓድጋ እምበር ኣይትሽጣ፤ ንሓቂ ንጥበብ ንተግሳፅ ንምስትውዓልን ድማ ገንዘብካ ግበረን።
ኢየሱስ መሲሕ ከም ዝኾነውን፥ ካብ መፃሕፍቲ እናርኣየ፥ ንኣይሁድ ኣብ ቕድሚ ዅሉ በርቲዑ የረድኦም ነበረ።
ኵላቶም እንተ ዝንበዩ ግና፥ ሓደ ዘይኣምን ወይ ዘይተምሃረ እንተ ዝኣቱ፥ በቲ ዅላቶም ዝብልዎ ምተወቕሰ፤ በቲ ዅሎም ዝብልዎውን ምተፈርደ።
ንዅሉ መርምርዎ፤ ነቲ ሰናይ ሓዝዎ።
እምበኣር፥ ኣቱም ኣሕዋትና፥ ፀኒዕኹም ቁሙ፤ ነቲ ብቓል ኮነ ብመልእኽትና ዝመሃርናኩም፥ ኣፅኒዕኹም ሓዝዎ።
ንዘመውቲ፥ ግብረ ሰዶም ንዝገብሩ፥ ነቶም ሰብ ዝሸጡ ነጋዶ፥ ንሓሰውቲ፥ ነቶም ብሓሰት ዝምሕሉ፥ ነቶም ንቕኑዕ ትምህርቲ ዝፃረር ዝገብሩ ዅሎም እዩ።
“ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ንሓጥኣን ከድሕን መፀ” ዝብል ቃል፥ እሙንን ኵሉ ሰብ ክቕበሎ ዝግባእን እዩ። ኣነ ኸዓ፥ ካብ ኵሉ ዝገደድኩ ሓጢኣተኛ እየ።
እምነትን ንፁህ ሕሊናን ይሃሉኻ። ገሊኣቶም ሰባት፥ ንሕሊናኣቶም ብዘይምእዛዝ፥ ከምታ ብማዕበል እትጠፍእ መርከብ፥ ንእምነቶም ኣጥፊኦምዋ እዮም እሞ።
እዝ ቃል እሙን እዩ፤ ኵሉውን ክቕበሎ ይግባእ እዩ።
ሓደ ሰብ፥ ምስቲ ሓቀኛ ዝኾነ ቓል ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን፥ ምስቲ ንእግዚኣብሄር ምምሳል ዘይሰማማዕ ግጉይ ትምህርትን እንተ መሃረ፥
ነቲ ኻባይ ዝሰማዕኻዮ ቕኑዕ ትምህርቲ፥ ከም ኣብነት ጌርካ፥ በቲ ብኢየሱስ ክርስቶስ ዝርከብ፥ እምነትን ፍቕርን ሓልዎ።
ነቲ ኣብ ቅድሚ ብዙሓት መሰኻኽር ካባይ ዝሰማዕኻዮ፥ ንኻልኦት ክምህሩ ንዝኽእሉ እሙናት ሰባት፥ ሕድሪ ሃቦም።
ምናልባሽ እግዚኣብሄር ንሓቂ ምእንቲ ኽፈልጥዋ ኢሉ፥ ንስሃ ኽኣትዉ ዕድል ክህቦም ይኸውን እዩ እሞ፥ ንሱ፥ ነቶም ተፃረርቲ፥ ብህድኣት ዝእርሞም ክኸውን ኣለዎ።
ንስኻ ግና፥ በቲ ዝተምሃርካዮን ዝተረዳእኻዮን ፅናዕ። ካብ መን ከም ዝተምሃርካ ትፈልጥ ኢኻ እሞ።
ነቲ ኣእዛኖም ክሰምዖ ዝህንጠዮ ነገር፥ ዝነግርዎም መምህራን ክእክቡ እምበር፥ ነቲ ሓቂ ዝኾነ ትምህርቲ፥ ንምስማዕ ዘይደልዩሉ ዘመን ክመፅእ እዩ እሞ።
ንሳቶም ረብሓ ምእንቲ ኽረኽቡ ኢሎም፥ ቅኑዕ ብዘይኮነ መንገዲ ኽምህርዎ ዘይግብኦም እናመሃሩ፥ ንስድራ ዘናውፁ፥ ኣፎም ክተትሕዞም ግቡእ እዩ።
ንስኻ ግና፥ ህይወት ዝርከቦ ቕኑዕ ትምህርቲ መሃር።
ኣቱም ፍቑራተይ፥ ብዛዕባ እታ ናይ ኵልና ዝኾነት ድሕነት፥ ክፅሕፈልኩም ሃረርታ ነይሩኒ። ሕዚ ግና፥ በታ ንሓንሳእን ንሓዋሩን ንቕዱሳን ዝተውሃበት እምነት፥ ንኽትጋደሉ ምእንቲ ኽመኽረኩም፥ ክፅሕፍ ግድን ኮይኑኒ ኣሎ።
ግዳ ኽሳዕ ዝመፅእ፥ ነቲ ዘለኩም ኣፅኒዕኹም ሓዝዎ።
ቀልጢፈ እመፅእ ኣለኹ፤ ሓደኳ ኣኽሊልካ ኸይወስደልካ፥ ነቲ ዘለካ ኣፅኒዕኻ ሓዝ።
ደጊም ከመይ ከም ዝተቐበልካን፥ ከም ዝሰማዕኻን ዘክር፤ ሓልዎ፤ ተነሳህውን። እንተ ዘይነቒሕኻ ግና፥ ከም ሰራቒ ኽመፀካ እየ፤ በየነይቲ ሰዓት ከም ዝመፀካውን፥ ኣይትፈልጥን ኢኻ።