6 ነቐፋ ዘይብሉ፥ ሰብኣይ ሓንቲ ሰበይቲ፥ ስዲ ብምዃንን ብዘይ ምእዛዝን ዘይሕመዩ፥ ኣመንቲ ውሉድ ዘለውዎ ይኹን።
ፅድቅን ፍትሕን ብምግባር፥ መንገዲ እግዚኣብሄር ምእንቲ ኽሕልዉ፥ ንደቁን ብድሕሪኡ ኸዓ ንቤቱን ኸም ዝእዝዞም እፈልጥ እየሞ፥ እዙይውን እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ኣብርሃም ዝተዛረቦ ዅሉ ምእንቲ ኸምፅእ እዩ።”
ንሕጊ ዝሕልዎ፥ መስተውዓሊ ውሉድ እዩ፤ ምስ ዘይረብሕ ዝተዓራረኽ ግና ነቦኡ የሕፍሮ።
ካብ ዘርኢ ቤት እስራኤል ዝኾነት ድንግል ወይ ሰበይቲ ኻህን ዝነበረት መበለት ደኣ ኸእትዉ እዮም እምበር፥ መበለት ወይ ፍትሕቲ ኣየእትዉን እዮም።
ካብ ህዝቡ ድንግል ዝኾነት ጓል የእቱ እምበር፥ መበለት ወይ ፍትሕቲ ወይ ዝረኸሰት ወይ ኣመንዝራ ኣየእቱ።
ካህናት ንኣምላኾም ቅዱሳን እዮም እሞ፥ ኣመንዝራ ወይ ዝነወረት ሰበይቲ ወይ ካብ ሰብኣያ ዝተፈትሐት ሰበይቲ ኣየእትዉ።
እግዚኣብሄር ናይ ህይወት መንፈስ፥ ሓደ ገይሩዶ ሓልዩልና ኣይኮነን? ንሱ ዝደልዮ እንታይ እዩ? ቅዱስ ዘርኢዶ ኣይኮነን? እምበኣርከስ መንፈስኩም ሓልዉ፤ ዝኾነ ሰብ፥ ንሰበይቲ ንእስነቱ ኣየታልል።
ብዘመን ሄሮድስ ንጉስ ይሁዳ፥ ሓደ ኻብ ክፍሊ ኽህነት ኣብያ ዝኾነ፥ ዘካርያስ ዝበሃል ካህን ነበረ፤ ካብ ዘርኢ ኣሮን ዝኾነት፥ ኤልሳቤጥ እትበሃል ሰበይቲ ድማ ነበረቶ።
ብመንፈስ ቅዱስ ደኣ ተመልኡ እምበር፥ ናብ ጥፍኣት ስለ ዘብፅሕ፥ ብወይኒ ኣይትስከሩ።
ኣቱም ኣሕዋትና፥ ነቶም ብዘይ ስርዓት ዝነብሩ ገስፅዎም፤ ነቶም ተስፋ ዝቐበፁ ኣተባብዕዎም፤ ነቶም ድኹማት ሓግዝዎም፤ ምስ ኵሉውን ዕጉሳት ክትኮኑ፥ ንምዕደኩም ኣለና።
ሕጊ ኸዓ፥ ንፃድቃን ከም ዘይተሰርዐ ንፈልጥ ኢና፤ ሕጊ ዝተሰርዐ፥ ንጠሓስቲ ሕጊ፥ ንዓመፀኛታት፥ ንጕሒላታት፥ ነቶም ቅድስና ዘይብሎም፥ ንሓጥኣን፥ ንርኹሳት፥ ነቶም መንፈሳዊ ነገራት ዝንዕቑ፥ ነቶም ኣቦኦምን እኖኦምን ዝቐትሉ፥ ንቐተልቲ ነፍሲ፥
ዲያቆናት፥ ነፍሲ ወከፎም ሰብ ሓንቲ ሰበይቲ፥ ደቆምን ስድራኦምን፥ ብፅቡቕ ዘመሓድሩ ይኹኑ።
ብዙሓት ሰባት፥ ብሕልፊ ኻብቶም “ዝኣመኑ ኣህዛብ ይገረዙ” ዝብሉ ኣይሁድ፥ ዘይእዙዛት፥ ለፍለፍትን መታለልትን ኣለዉሞ።
ድሕሪዙይ ሕልቃና ናብ ገዛኡ ናብ ኣርማቴም ከደ። እቲ ህፃን ከዓ ኣብ ቅድሚ ኻህን ኤሊ ኾይኑ ንእግዚኣብሄር የገልግል ነበረ።
ኤሊ ኸዓ የመና ኣረገ፤ እቶም ደቁ ኣብ እስራኤል ዝገበርዎ ዅሉን፥ ምስተን ኣብቲ መራኸቢ ድንኳን ዘገልግላ ኣንስቲ ኸም ዝድቅሱን ሰምዐ።