13-14 እዝ ምስክርነት እዙይ ሓቂ እዩ። ስለዙይ ቅኑዕ እምነት ምእንቲ ኽህልዎም፥ ናብ ተረት ኣይሁድን፥ ናብ ትእዛዛት እቶም ካብ ሓቂ ዘድሐርሕሩ ሰባትን፥ ከየዘንብሉ ኣፀቢቕካ ገስፆም።
ኣነ ምእንቲ ኸይሓፍር፥ ልበይ ብስርዓታትካ ቕኑዕ ይኹን።
ፃድቕ ብምሕረት ይገስፀኒ፤ ይዝለፈኒውን፤ ዘይቲ ሓጢኣተኛ ግና ንርእሰይ ኣይቕባእ፤ ፀሎተይ ገና ኣብ ልዕሊ ኽፍኣቶም እዩሞ።
ካብ ሕቡእ ፍቕሪ፥ ግሉፅ ተግሳፅ ይሐይሽ።
ንሓውካ ብልብኻ ኣይትፅልኣዮ፤ ብምኽንያት በደል ብፃይካ፥ ሓጢኣት ከይኾነካ ገስፆ።
ምእንቲ እዙይ፥ በቲ ጐይታ ኸፍርሰሉ ዘይኮነስ፥ ክሃንፀሉ ዝሃበኒ ስልጣን፥ ምስ መፃእኹ ምእንቲ ኸየበርትዐልኩም፥ ገና ርሑቕ እንተለኹ እፅሕፈልኩም ኣለኹ።
ንዘመውቲ፥ ግብረ ሰዶም ንዝገብሩ፥ ነቶም ሰብ ዝሸጡ ነጋዶ፥ ንሓሰውቲ፥ ነቶም ብሓሰት ዝምሕሉ፥ ነቶም ንቕኑዕ ትምህርቲ ዝፃረር ዝገብሩ ዅሎም እዩ።
እዝ ትምህርቲ እዙይ፥ ነቶም ኣሕዋት እንተ ገለፅካሎም፥ ቃል እምነትን፥ እቲ ተኣሚንካ ዝሰዓብካዮ ፅቡቕ ትምህርትን፥ ዝተመገበ ሕያዋይ ኣገልጋሊ ኢየሱስ ክርስቶስ ክትከውን ኢኻ።
ነቶም ሓጢኣት ዝገብሩ ግና፥ እቶም ካልኦት ምእንቲ ኽፈርሑ፥ ኣብ ቅድሚ ዅሉ ገስፆም።
ነቲ ቓል ስበኽ፤ ብምችዊ እዋንን ኣብ ዘይምችዊ እዋንን፥ ድልዊ ኹን፤ ኣረድእ፤ ምኸር፤ ገስፅ፤ ብዓብዪ ትዕግስቲ፥ ብምምሃር ትጋህ።
እምበኣር ነዝ ነገር እዙይ መሃር፤ ብምሉእ ስልጣን ከዓ፥ መዓድን ገስፅን፤ ሓደኳ ኣይንዓቕካ።
ነቶም ኣረጋውያን፥ ጥንቁቓት፥ ክብሮም ዝሕልዉ፥ ለባማት፥ ብእምነትን ብፍቕርን ብትዕግስትን ጥዑያት ክኾኑ መዓዶም።