12 ሓደ ኻብቶም ናታቶም ነቢያት እኳ “ሰብ ቀርጤስ ኵልሻዕ ሓሰውቲ፥ ክፉኣት ኣራዊት፥ ሃካያት፥ ከብዳማት እዮም” ይብል።
ገሊኣቶም ካብቶም ተቐነይትኹም ‘ንሕና ደቂ እግዚኣብሄር ኢና’ ኸም ዝብልዎ፥ ‘ብእኡ ኢና እንነብርን እንወሳወስን፥ ብእኡ ኸዓ ኢና ዘለና’
ሰብ ቀርጤስን ዓረብን ኢና፤ እንተ ኾነ እንሆ በብቛንቋና፥ ብዛዕባ እቲ ዓብዪ ግብሪ እግዚኣብሄር፥ ክዛረቡ ንሰምዖም ኣለና” በሉ።
እቲ ወደብ፥ ክረምቲ ክኸርሙሉ ዘይምቾ ስለ ዝነበረ፥ መብዛሕትኦም ካብኡ ኽወፁ፥ እንተ ተኻኢልዎም ከዓ፥ ኣብ ፍንቄ ክኸርሙ መኸሩ። ንሳ እታ ናብ ደቡባዊ ምዕራብን፥ ሰሜናዊ ምዕራብን ኣቢላ እትርኢ፥ ናይ ቀርጤስ ወደብ ነበረት።
ንፋስ ደቡብ ምስ ነፈሰ ኸዓ፥ ከም ሓሳቦም ዝኾነሎም መሲልዎም፥ መልህቅ ኣልዒሎም ብፀግዒ ቀርጤስ ሓለፉ።
እታ መርከብ፥ ብዙሕ መዓልቲ ሰለይ እናበለት ትጐዓዝ ነበረት፤ ብጭንቂ ድማ፥ ኣብ ማዕዶ ቀኒዶስ በፃሕና፤ ናብኣ ኸይንቐርብ ንፋስ ምስ ከልከለና ኸዓ፥ ንቀርጤስ ከውልና ጌርና፥ ብማዕዶ ሰልሙና ሓለፍና።
እዞም ሰባት እዚኣቶም፥ ንጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዘይኮነስ፥ ንኸብዶም እዮም ዝግዝኡ። ብነገር ብምትላልን፥ የዋህ ብምምሳልን፥ ንብዙሓት ገርህታት የስሕትዎም እዮም እሞ።
መወዳእታኦም ግና ጥፍኣት እዩ፤ ኣምላኾም ከብዶም እዩ፤ ክብረቶም በቲ ነውሮም እዩ፤ ሓሳቦም ከዓ ምድራዊ እዩ።
እዝ ዓይነት ትምህርቲ እዙይ ድማ፥ ካብቶም ብመተኰስ ከም ዝሓረረ፥ ሕሊናኦም ዝደንዘዘ፥ ግብዛት ሓሰውቲ ሰባት እዩ ዝመፅእ።
ኣብ ቀርጤስ ዝሓደግኩኻ፥ ከምቲ ዝኣዘዝኩኻ ጌርካ፥ ነቲ እንተይተወድአ ዝተረፈ ኽተመዓራርን፥ በብዓዱ ኤጲስ ቆጶሳት ክትሸይምን ኢለ እየ።
እዚኣቶም ግና፥ ከም ንመፃወድን ንጥፍኣትን ዝተፈጥሩ፥ ኣእምሮ ዘይብሎም እንስሳ እዮም ዝመስሉ። ነቲ ዘይፈልጥዎ እናፀረፉ፥ ምስኣቶም ክጠፍኡ እዮም።
ነታ ቕንዕቲ መንገዲ ሓዲጎም ተጋገዩ፤ መንገዲ እቲ ዓስቢ ዓመፃ ዝፈተወ በለዓም ወዲ ባሶር ሰዓቡ።