10 ብዙሓት ሰባት፥ ብሕልፊ ኻብቶም “ዝኣመኑ ኣህዛብ ይገረዙ” ዝብሉ ኣይሁድ፥ ዘይእዙዛት፥ ለፍለፍትን መታለልትን ኣለዉሞ።
ኣቱም ግብዛት፥ መምህራን ሕግን ፈሪሳውያንን፥ ንኽተምስሉ ኣብዚሕኹም ብምፅላይ፥ ኣባይቲ መበለታት ትብዝብዙ ኣለኹም፤ ስለዙይ ፅኑዕ ፍርዲ ኽትቅበሉ ኢኹም እሞ፥ ወይለኹም!
ጴጥሮስ ናብ ኢየሩሳሌም ምስ ተመለሰ፥ እቶም ካብ ግሩዛት ወገን ዝኾኑ ኣመንቲ ኣይሁድ “ንስኻ ናብ ዘይተገረዙ ሰባት ኣቲኻ፥ ምስኣቶም በሊዕኻ ኢኻ” ኢሎም ነቐፍዎ።
ካብ ይሁዳ ናብ ኣንፆኪያ ናይ ሶርያ ዝኸዱ ሰባት ድማ፥ ነቶም ኣሕዋት ከም “ስርዓት ሙሴ እንተ ዘይተገሪዝኩም ክትድሕኑ ኣይትኽእሉን ኢኹም” ኢሎም መሃርዎም።
“ንሕና ሓንቲኳ ዘይኣዘዝናዮም ሰባት ካባና ወፂኦም፥ ክትግረዙን ሕጊ ሙሴ ኽትሕልዉን ኢሎም፥ ብቓሎም ከም ዘናወፁኹምን፥ ንልብኹም ከም ዝሃወኹን ሰሚዕና ኣለና።
ኣነ ምስ ከድኩ፥ ነታ መጓሰ ዘየናሕስዩላ፥ ከም ተዃሉ ጨካናት፥ ብድሕረይ ከም ዝመፁኹም እፈልጥ እየ።
እዙይ ከዓ እቶም ኣሕዋት መሲሎም፥ ኣብ ማእኸልና ሸሊኾም ዝኣትዉ ሰለልቲ፥ ነቲ ብጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝረኸብናዮ ሓርነት ኣጥፊኦም፥ ባሮት ከይገብሩና እዩ።
ኣቱም ዘይተስተውዕሉ ሰብ ገላትያ፥ ንሓቂ ኸይትእዘዙ መን እዩ ዝዓዘመኩም? ኢየሱስ ስቑል ኮይኑ፥ ኣብ ቅድሚ ኣዒንትኹምዶ ተስኢሉ ኣይነበረን?
እምበኣር ብጥበራን ብተንኰልን ብዝመፅእ፥ ናይ ትምህርቲ ንፋስ፥ ከም ህፃናት ንየው ነዘው እናተደፋእና ኣይንውሰድን።
ከምኡውን ናብ ኣፈ ታሪኻትን፥ መወዳእታ ናብ ዘይብሉ ናብ ምቝፃር ትውልድታትን፥ ከየዘምብሉ መዓድ። እዝ ነገራት እዙይ ክትዕ እምበር፥ ኣብቲ ብእምነት ዝግበር ናይ እግዚኣብሄር መጋቢነት፥ ዝጠቅም የብሉን።
ገሊኣቶም ሰባት ካብዙይ ወፂኦም፥ ናብ ከንቱ ኽርክር ተመሊሶም ኣለዉ።
ሕጊ ኸዓ፥ ንፃድቃን ከም ዘይተሰርዐ ንፈልጥ ኢና፤ ሕጊ ዝተሰርዐ፥ ንጠሓስቲ ሕጊ፥ ንዓመፀኛታት፥ ንጕሒላታት፥ ነቶም ቅድስና ዘይብሎም፥ ንሓጥኣን፥ ንርኹሳት፥ ነቶም መንፈሳዊ ነገራት ዝንዕቑ፥ ነቶም ኣቦኦምን እኖኦምን ዝቐትሉ፥ ንቐተልቲ ነፍሲ፥
እቶም ክፉኣት ሰባትን መምሰልትን ግና፥ እናኣስሓቱን እናሰሓቱን፥ ናብ ዝገደደ ኽፍኣት ክበፅሑ እዮም።
ሓቂ ኸይሰምዑውን ኣእዛኖም ዓፅዮም፥ ናብ ተረት ከዘምብሉ እዮም።
ነቐፋ ዘይብሉ፥ ሰብኣይ ሓንቲ ሰበይቲ፥ ስዲ ብምዃንን ብዘይ ምእዛዝን ዘይሕመዩ፥ ኣመንቲ ውሉድ ዘለውዎ ይኹን።
ሓደ ሰብ ንእግዚኣብሄር ኣምልኽ እየ እንተበለ፥ ንልሳኑ ግና ኽቈፃፀር ዘይኽእል እንተ ኾይኑ፥ ንባዕሉ ደኣ የታልል ኣሎ እምበር፥ ኣምልኾኡ ኸንቱ እዩ።
ደቀይ፥ እዚኣ እታ መወዳእታ ሰዓት እያ። ፀረ ክርስቶስ ከም ዝመፅእ ሰሚዕኹም ኣለኹም፤ ድሮውን ብዙሓት ተፃረርቲ ክርስቶስ፥ ተሲኦም ኣለዉ፤ እዚኣ እታ ናይ መወዳእታ ሰዓት ምዃና ኸዓ፥ በዙይ ኢና እንፈልጥ።
“ኣነ እፈልጦ እየ” ዝብል፥ ንትእዛዛቱ ግና ዘይሕሉ፥ ንሱ ሓሳዊ እዩ፤ እታ ሓቂውን ኣብኡ የላን።
ኣቱም ፍቑራተይ፥ ብዙሓት ሓሰውቲ ነቢያት፥ ናብ ዓለም ወፂኦም ኣለዉ እሞ፥ እቶም መናፍስቲ ኻብ እግዚኣብሄር እንተ ኾይኖም መርምሩ እምበር፥ ንዅሉ መንፈስ ኣይትእመኑ።
እንተ ኾነ፥ ብሓድሓደ ነገራት እነቕፈካ ኣለኹ። ትምህርቲ በለዓም ዝሰዓቡ ሰባት ኣለዉኻ። በለዓም፥ እቲ ንደቂ እስራኤል መፈንጠር ክገብረሎም ኢሉ፥ ንጣዖት ዝተሰውአ ኸም ዝበልዑን፥ ከም ዝዝምዉን ምእንቲ ኽገብር፥ ንባላቅ ዝመኸሮ እዩ።
ግና ነቲ ኣነ ዝፀልኦ ግብሪ ኒቆላውያን፥ ንስኻውን ትፀልኦ ኢኻ እሞ፥ እዙይ ግዳ ፅቡቕ ኣለካ።