4 ክሳድኪ ኸም ንመቐመጢ ኣፅዋር ብፅቡቕ ዝተሰርሐ፥ ከም ግንቢ ዳዊት እዩ፤ ሽሕ ዋልታ ኣፅዋር ጀጋኑ፥ ተንጠልጢልዎ እዩ።
ኣቱም እምባታት ጊልቦዓ! ዋልታ ሓያላት ኣብኡ ወዲቑ እዩሞ፥ ዋልታ ሳኦል ብዘይቲ ኸም ዘይተቐብአ፥ ኣባኻትኩም ተደርቢዩ እዩ እሞ፥ ኣውልን ዝናምን ኣይውረድኩም፤ ኣባኻትኩም ከዓ ንመስዋእቲ ዝኸውን እኽሊ ዘፍርዩ ገራሁ ኣይሃልዉኹም።
ንመድሓኒት ንጉስ ዓባይ ዝገብራ ንሱ እዩ፤ ምሕረቱውን ንዝቐብኦ ዳዊትን ንዘርኡን፥ ንዘለኣለም ይገብር።
ኣብ ጥቓኡ ድማ ዔፅር ወዲ ኢያሱ ሹም ምፅጳ፥ ቀፂሉ ዘሎ ሓደ ኻልእ ክፍሊ ኣብ መንፅር እቲ ናብ ቤት ኣፅዋር ዝወስድ መደያይቦ፥ ኣብቲ መኣዝን ሓደሰ።
ደቆም ብጕብዝናኣቶም ከም ሓድሽ ኣታኽልቲ ዝኾኑ፥ ኣዋልድ ደቆምውን ከም ሕልፍኚ ዘጌፃን ዝተሸለማን ዝኾና፥
ምዕጕርትኺ ብቐለበት ወርቂ፥ ክሳድኪ ብድሪ ሉል ዘጌፀ እዩ።
ክሳድኪ ብስኒ ሓርማዝ ከም ዝተሰርሐ ግንቢ እዩ፤ ኣዒንትኺ ኸምቲ ኣብ ጥቓ ደገ ባትራቢ ዘሎ፥ ሓፅብታት ሄስቦን እየን፤ ኣፍንጫኺ ኸምቲ ንደማስቆ ገፁ ዝርኢ፥ ግንቢ ሊባኖስ እዩ።
ርእስኺ ኣብ ልዕሌኺ ኸም እምባ ቀርሜሎስ እዩ፤ ፀጕሪ ርእስኺ ኸም ቀይሕ ሃሪ እዩ፤ ብቝኖኺ እቲ ንጉስ ተማረኸ።
ኣነ ቕፅሪ እየ፤ ኣጥባተይ ከዓ ኸም ግንቢ እየን፤ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቱ ሰላም ከም እትረክብ ኮንኩ።
ኣታ ግንቢ መጓሰ፥ እታ እምባ ጓል ፅዮን፥ ናባኻ ኽትመፅእ እያ፤ እታ ናይ ቀደም ግዝኣት፥ መንግስቲ ጓል ኢየሩሳሌም ክትመፅእ እያ።
እዝ ሰብ እዙይ፥ ምስቲ ንሰብነት ብጅማትን መገጣጠምን ኣሲሩ ብምምጋብ፥ እግዚኣብሄር ብዝህቦ ዕብየት ዝዓብየሉ፥ ርእሲ ምስ ዝኾነ ክርስቶስ ርክብ የብሉን።
ንስኻትኩም ስለ ዝኣመንኩም፥ እቲ ኣብ መወዳእታ ዘመን ክገሃድ ዘለዎ ድሕነት ክሳዕ ዝመፅእ፥ ብሓይሊ እግዚኣብሄር ተሓሊኹም ኣለኹም።