Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




መሃልየ 4:1 - መፅሓፍ ቅዱስ

1 ኣቲ ፍቕርተይ ክንደይ ትፅብቒ! ከመይ ዝበልኪ ቘንጆኸ ኢኺ! ኣዒንትኺ ኣብ ውሽጢ ጕልባብኪ፥ ከም ርግቢታት እየን፤ ፀጕሪ ርእስኺ ኸም እተን ካብ እምባ ገለዓድ ዝወርዳ መጓሰ ኣጣል እዩ።

Ver Capítulo Copiar




መሃልየ 4:1
17 Referencias Cruzadas  

ንጉስ ፅባቐኺ ፈትዩ እዩሞ፥ ንሱ ጐይታኺ እዩ እሞ።


ኣቲ ፍቕርተይ፥ ፅብቕቲ ኢኺ! እንሆ ንስኺ ቘንጆ ኢኺ! ኣዒንትኺ ኸም ርግቢታት እየን።


ፍቱወይ፥ ኣቲ ፍቕርተይ ተስኢ፤ ኣቲ ፅብቕተይ፥ ንዒ ኢሉ ተዛረበኒ።


ኣቲ ኣብ ቋቝራ ኰዅሒ፥ ኣብ መሕብኢ ፀድፊ ዘለኺ፥ ርግበይ፥ ድምፅኺ ጥዑም፥ መልክዕኺ ፅቡቕ እዩ እሞ፥ ገፅኪ ኣርእይኒ፤ ድምፅኺውን ኣስምዕኒ።


ኣዒንትኺ ኣፍሪሐናኒ እየንሞ ኻባይ መልሲ፤ ፀጕሪ ርእስኺ ኻብ እምባ ገለዓድ ከም ዝወርዳ መጓሰ ኣጣል እዩ።


ኣብ ውሽጢ ጕልባብኪ ዘሎ ምዕጕርታትኪ፥ ከም ምቃል ሮማን እዩ።


ርእስኺ ኣብ ልዕሌኺ ኸም እምባ ቀርሜሎስ እዩ፤ ፀጕሪ ርእስኺ ኸም ቀይሕ ሃሪ እዩ፤ ብቝኖኺ እቲ ንጉስ ተማረኸ።


ስለዙይ እግዚኣብሄር ብዛዕባ ቤት ንጉስ ይሁዳ ኸምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ንስኻ ንኣይ ከም ገለዓድን ከም ርእሲ ሊባኖስን ኢኻ፤ ግና ኣነ ብርግፅ ምድረ በዳ፥ ሰብ ዘይነብረለን ከተማታት ክገብረካ እየ።


በቲ ኣነ ዝሸለምኩኺ ግርማ፥ እቲ መልክዕኺ ፍፁም ኮይኑ እዩ እሞ፥ ወረኺ ኣብ ማእኸል ህዝብታት ወፀ” ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።


ኣብ ማእኸል ዱር ቀርሜሎስ፥ ንበይናቶም ዝነብሩ ዘለዉ ህዝብኻ፥ መጓሰ ርስትኻ ብበትርኻ ጓስዮም። ከምቲ ናይ ቀደም ዘመን፥ ኣብ ባሳንን ኣብ ገለዓድን ጓስዮም።


ደቂ ሮቤልን ደቂ ጋድን የመና ብዙሓት እንስሳ ነበራኦም። እንሆ ኸዓ፥ ምድሪ ኢያዜርን ምድሪ ገለዓድን ቦታ እንስሳ ኸም ዝኾነ ረአዩ።


ሙሴ ድማ ንማኪር ወዲ ምናሴ ንገለዓድ ሃቦ፤ ማኪር ከዓ ኣብኣ ተቐመጠ።


ኣርዑተይ ፁሩ፤ ካባይውን ተምሃሩ፤ ኣነ የዋህ እየ፤ ልበይውን ትሑት እዩ እሞ፥ ንነፍስኹም ዕረፍቲ ኽትረኽቡ ኢኹም።


ንሕና ዅልና ኸዓ፥ ብቕሉዕ ገፅ፥ ክብሪ ጐይታ ኸም መስትያት እናንፀባረቕና፥ መንፈስ ካብ ዝኾነ ጐይታ ከም ዝግበር፥ ነቲ ምስሊ ኣርኣያኡ ምእንቲ ኽንመስል፥ ካብ ክብሪ፥ ናብ ክብሪ ኽንልወጥ ኢና።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos