7 እንሆ፥ ዓራት ሰሎሞን፤ ካብ ጀጋኑ እስራኤል ስሳ ጀጋኑ ኸዓ ኣብ ዙርያኡ እዮም።
ንጉስ ሮብዓም ድማ ኽንድኡ ዋልታታት ነሃስ ገበረ፤ ኣብ ኢድ ኣሕሉቕ እቶም ንደገ ቤት ንጉስ ዝሕልዉ ተኸተልቲ ኸዓ ኣማዕቘቦም።
ካብ ደቂ እስራኤል ግና ሰሎሞን፥ ተዋጋእትን መመሓደርትን ሹመኛታትን ኣሕሉቕን ኣዘዝቲ ሰረገላታቱን ፈረሰኛታቱን ክኾኑ እምበር፥ ባሮት ኣይገበረን።
ኤልሳዕ ድማ “ኦ እግዚኣብሄር! እልምነካ ኣለኹ፤ ምእንቲ ኽርእስ ኣዒንቱ ኽፈት” ኢሉ ፀለየ። እግዚኣብሄር ከዓ ኣዒንቲ እቲ ሓሽከሩ ኸፈተ እሞ ረአየ፤ እንሆ ድማ፥ ኣብ ዙርያ ኤልሳዕ ኣብቲ ዀረብታታት ናይ ሓዊ ኣፍራስን ሰረገላታትን ነቲ ዀረብታ መሊኦምዎ ነበሩ።
ስለዙይ ኣነ ነቶም ህዝቢ ብድሕሪ እቲ ቕፅሪ፥ በቲ ዘይተመልአ ቕሉዕ ስፍራታት በብማይ ቤቶም ኣስይፍቶምን ኲናውቶምን ቀስትታቶምን ሒዞም ደው ከም ዝብሉ ገበርክዎም።
ኣታ ፍቱወይ! ክንደይ ትፅብቕ! ክንደይከ ትምልክዕ! ዓራትና ድማ ልምሉም እዩ።
እዛ፥ ዓምዲ ትኪ መሲላ፥ ከርበን ዕጣንን ነጋዶ ዝሸጥዎ ዅሉ ዓይነት ቀመማትን እትምዕዝ፥ እዛ ኻብ ምድረ በዳ እትድይብ ዘላ መን እያ?
ኵላቶም ሰይፊ ዝሓዙ፥ ክኢላታት ውግእ እዮም፤ ብለይቲ ሓደጋ ኽከላኸሉ ኸዓ፥ ነፍሲ ወከፎም ሰሰይፎም ዕጡቓት እዮም።
ንጉስ ሰሎሞን ንመሰከሚ ዓራቱ፥ ብኦም ሊባኖስ ንባዕሉ ኣስርሐ።
ኵላቶም መላእኽቲ፥ ንኣገልግሎት እቶም ክድሕኑ ዘለዎም ዝለኣኹ፥ ናይ ኣገልግሎት መናፍስቲዶ ኣይኮኑን?
ብዅሉ ዘመን ሳኦል ከዓ ምስ ፍልስጥኤማውያን ብርቱዕ ውግእ ነበረ። ሳኦል ድማ ጅግና ሰብ ወይ ተዋጋኢ ሰብ እንተ ረአየ፥ ምስኡ ይወስዶ ነበረ።
ዳዊት ድማ “ኣነ ሓሽከርካ ሕዚ ዝገብሮ ኽትርኢ ኢኻ” በሎ። ኣንኩስ ከዓ ንዳዊት “እምበኣር ኵልሻዕ ንባዕለይ ሓላዊየይ ክገብረካ እየ” በሎ።
ኣገልገልትኹምን ኣግራድኩምን፥ ዘዝበለፁ ኸፍትኻትኩምን ኣእዱግኩምን ወሲዱ ድማ ኣብ ስራሑ ኸውዕሎም እዩ።