1 ለይቲ ኣብ ዓራተይ ኮይነ፥ ነቲ ነፍሰይ እትፈትዎ ደለኽዎ፤ ግና ኣይረኸብክዎን።
ኦ ኣምላኸይ፥ ብመዓልቲ ናባኻ እጠርዕ፥ ግና ኣይመለስካለይን፤ ብለይቲ እኳ ዕረፍቲ የብለይን።
ተቘጥኡ፥ ግና ሓጢኣት ኣይትግበሩ፤ ኣብ መደቀሲኹም እንተለኹም ድማ ብልብኹም መርምሩ፤ ህድእውን በሉ።
ኣነ ብጭንቐተይ ደኺመ ኣለኹ፤ ኵሉ ለይቲ ዓራተይ ሓፀብኩ፤ ንመንፀፈይ ከዓ ብንብዓተይ ኣርሓስኩ።
ኣታ ነፍሰይ እትፈትወካ፥ እስኪ ንገረኒ፤ ንመጓሰኻ ኣበይ ተውፍረን? ቀትርኸ ኣበይ ኢኻ እተዕርፈን? ስለ ምንታይከ ደድሕሪ መጓሰ ኣዕርክትኻ ዀለል ዝብል?
ንፍቱወይ ከፈትኩሉ፤ ፍቱወይ ግና ድሮ ድሕር ኢሉ ነበረ፤ ክዛረበኒ እንተሎ ነፍሰይ ደንገፀት፤ ደለኽዎ ግና ኣይረኸብክዎን፤ ፀዋዕክዎ ግና ኣይመለሰለይን።
ኣትን ኣዋልድ ኢየሩሳሌም፥ ንፍቱወይ እንተ ረኺብክናኦ፥ ብፍቕሪ ኸም ዝሓመምኩ፥ ክትነግራኦ ኣምሕለክን ኣለኹ።
ፍርድኻ ኣብ ምድሪ እንትትገብር፥ እቶም ኣብ ዓለም ዝነብሩ፥ ፅድቂ ይመሃሩ እዮም እሞ፥ ነፍሰይ ብለይቲ ትናፍቐካ፤ ኣብ ውሽጠይ ብዘላ መንፈሰይ፥ ኣንጊሀ እደልየካ ኣለኹ።
ንእግዚኣብሄር ብዝርከበሉ ጊዜ ድለይዎ፤ ቀሪቡ እንተሎውን ፀውዕዎ።
ንሱ ድማ፥ “በታ ፀባብ ኣፍ ደገ፥ ንምእታው ፀዓሩ፤ ክኣትዉ ዝደልዩ ብዙሓት እዮም፤ ግና ኣይኽእሉን እብለኩም ኣለኹ።
ንሳ ኸዓ እዙይ ምስ ሰምዐት፥ ቀልጢፋ ተሲኣ ናብኡ ኸደት።
ንሳልሳይ ጊዜ ድማ “ስምኦን ወዲ ዮና፥ ትፈትወኒ ዲኻ?” በሎ። ጴጥሮስ ንሳልሳይ ጊዜ “ትፈትወኒ ዲኻ?” ስለ ዝበሎ እናሓዘነ “ጐይታ፥ ንስኻ ዅሉ ትፈልጥ ኢኻ፤ ኣነ ኸም ዝፈትወካውን ትፈልጥ ኢኻ” በሎ። ኢየሱስ ከዓ “ኣባጊዐይ ኣብልዕ፤
ንኢየሱስ ክርስቶስ እንተይረአኹምዎ፥ ተፍቅርዎ ኣለኹም፤ ሕዚ እውን ኣይትሪእዎን ዘለኹም፤ ብእኡ ግና ትኣምኑ ኣለኹም፤ ክንገር ብዘይከኣል ምሉእ ሓጐስውን፥ ትሕጐሱ ኣለኹም። ናይ እምነትኩም ፍረ ኸዓ፥ ድሕነት ነፍስኹም ተቐበልኩም።