3 ከምኡ ፍቱወይ ኣብ ማእኸል ኣወዳት እዩ፤ ከምቲ ኣብ ማእኸል ኣእዋም ዱር ዘሎ ምልዖ እዩ፤ ኣብ ትሕቲ ፅላሉ ደስ ኢሉኒ ተቐመጥኩ፤ ፍረኡውን ንጐረሮይ ጥዑም እዩ፤
ፅባቐኻ ኻብ ደቂ ሰብ ይምልክዕ፤ ሞገስ ብኸናፍርካ ወሓዘ፤ ስለዙይ ኣምላኽ ንዘለኣለም ባረኸካ።
ኣታ ሓያል ብክብርኻን ብግርማኻን፥ ሰይፍኻ ኣብ ሕቘኻ ዕጠቕ።
መሓረኒ፤ ኦ ጐይታ፥ መሓረኒ፤ ነፍሰይ ኣባኻ ተኣሚና ኣላሞ፥ መሃረኒ፤ እቲ መዓት ክሳዕ ዝሓልፍ፥ ኣብ ፅላል ኣኽናፍካ ተኣሚነ ኣለኹ።
ንእግዚኣብሄር ኣብ ሰማይ መን ይመዓራረዮ? ካብ ደቂ ኣማልኽትኸ መን ይመስሎ?
ኣብ ፀግዒ እቲ ልዑል ዝሓድር፥ ኣብ ውሽጢ ፅላል እቲ ዅሉ ዝኽእል ኣምላኽ ይነብር።
ኣታ ፍቱወይ! ክንደይ ትፅብቕ! ክንደይከ ትምልክዕ! ዓራትና ድማ ልምሉም እዩ።
ብፍቕሩ ተነዲፈ ሓሚመ እየሞ፥ ብጎጎ ዘቢብ ኣፅንዑኒ፤ ብምልዖ ኣበርትዑኒ።
በቝልኺ ሮማንን፥ ምሩፅ ፍረን፥ ሒናን ናርዶስን ዘለዎ ገነት እዩ።
ንፋስ ሰሜን፥ ተስእ፤ ንፋስ ደቡብውን ነዓ፤ ምዑዝ ሽቱ ምእንቲ ኽመልኦ፥ ኣብ ልዕሊ ገነተይ ንፈስ፤ ሽቱውን ይፍሰስ፤ ፍቱወይ ናብ ገነቱ ይእቶ፤ ጥዑም ፍረታቱ ኸዓ ይብላዕ።
ኣፉ የመና ጥዑም እዩ፤ ኵለንትናኡ ኸዓ ፍትዊ እዩ፤ ኣትን ኣዋልድ ኢየሩሳሌም፥ ፍቱወይ እዙይ እዩ፤ እወ፥ ፈታዊየይስ እዙይ እዩ።
ትርንጒታት፥ መዓዛ ሃቡ፤ ኣታ ፍቱወይ፥ ንኣኻ ኢለ ዝዓቘርክዎ በብዓይነቱ ሓድሽን ብሉይን፥ ደስ ዘብል ፍረታት ኣብ ደገታትና ኣሎ፤ ፍቱወይ፥ ኵሉ ንኣኻ ሓለኹልካ።
ንሰሎሞን ኣብ ብኤላሞን፥ ኣታኽልቲ ወይኒ ነበሮ፤ ነዝ ኣታኽልቲ ወይኒ እዙይ፥ ፍረኡ ንዝሕልዉ ብኽራይ ሃቦም፤ ኵሉ ሰብ ከዓ ኽንዲ ፍረኡ፥ ሽሕ ቅርሺ ብሩር የምፅአሉ ነበረ።
ናተይ ዝኾነ ኣታኽልቲ ወይኒ ኣብ ቅድመይ እዩ፤ ኦ ሰሎሞን፥ ሽሕ ቅርሺ ብሩር ንኣኻ፥ ክልተ ሚእቲ ድማ ፍረኡ ንዝሕልዉ ይኹን።
እዛ፥ ፈታዊኣ ተደጊፋ፥ ካብ በረኻ እትድይብ ዘላ መን እያ? ኣብ ትሕቲ ኦም ምልዖ ኣንቃሕኹኻ፤ ኣብኡ እኖኻ ንኣኻ ኽትሓርስ ተፅዓረት፤ ኣብኡ እኖኻ ወለደትካ።
ንስኻ ንድኻ ዕርዲ፥ ንፅጉም ኣብ መከራኡ መፀግዒ፥ ካብ ፀፍዒ መዕቐሊ፥ ካብ ሃሩር መፅለሊ ኾንካ፤ እስትንፋስ ቍጥዓ ጨካናት፥ ከምቲ ንመንደቕ ዝወቅዕ ማዕበል እዩ እሞ።
ሰብ ድማ ኻብ ንፋስ ከም መኸወሊ፥ ካብ ንፋስ ኣውሎ ኸም መፀግዒ፥ ኣብ ደረቕ ምድሪ ኸም ወሓዚ ማያት፥ ኣብ ምድሪ ኣፃምእ ከም ፅላል ዓብዪ ኰዅሒ ክኸውን እዩ።
በታ መዓልቲ እቲኣ፥ እቲ ጨንፈር እግዚኣብሄር ንኽብርን ንገይፅን ክኸውን እዩ፤ ፍረ እታ ምድሪ ድማ፥ ነቶም ካብ እስራኤል ዘምለጡ ሰባት፥ ንትምክሕትን ንሓጐስን ክኸውን እዩ።
እዙይ ከዓ ብመዓልቲ ኻብ ሃሩር መፅለሊ፥ ካብ ዝናምን ካብ ኣውሎ ንፋስን ንመፀግዕን መሕብኢን ስፍራ ክኸውን እዩ።
ወሰና ወሰን እዚ ሩባ በዙይን በቱይን፥ ኵሉ ዓይነት ፈራዪ ኣእዋም ክበቍል እዩ፤ ኣቝፅልቱ ኣይፅምሉን፤ ፍረኡውን ኣይውዳእን እዩ፤ ማያቱ ኻብቲ መቕደስ እዩ ዝፍልፍል እሞ፥ ኣብ ወወርሒ ሓድሽ ፍረ ኽፈሪ፥ ፍረታቱ ንምግቢ፥ ኣቝፅልቱ ድማ ንመድሓኒት ክኸውን እዩ።”
ተኽሊ ወይኒ ነቐፀ፤ ኦም በለስ ከዓ ፀምለወ፤ ኦም ሮማንን ተምርን ምልዖን፥ ኵሉ ኣእዋም በረኻን ነቐፀ፤ ሓጐስውን ካብ ደቂ ሰብ ረሓቐ።
ንዅሉ ውርደት ንዒቑ፥ ምእንቲ እቲ ኣብ ቅድሚኡ ዘሎ ሓጐስ ኢሉ፥ ኣብ መስቀል ሙማት ዝተዓገሰ፥ ኣብ የማን ዙፋን እግዚኣብሄር ዝተቐመጠ፥ ናይ እምነትና ጀማሪን ፈፃሚን ናብ ዝኾነ ኢየሱስ ንጠምት።
“እቲ ኣሻዅ ቈጥቋጥ ድማ፥ ‘ብሓቂ ንኣይ ቀቢእኹም ኣብ ልዕሌኹም ክተንግሱኒ እንተ ደኣ ደሊኹምስ፥ ኣብ ፅላለይ ኣፅልሉ፥ እንተ ዘይኮነ ድማ ኻብቲ ኣሻዅ ቈጥቋጥ ሓዊ ይውፃእ እሞ ነቲ ፅሕድታት ሊባኖስ የቃፅሎ’ ”