2 እታ ፍቕርተይ ኣብ ማእኸል ቈናጁ ኣጓላት እያ፤ ከም ኣብ ማእኸል እሾዅ ዝበቘለት ዕምበባ ሱፍ እያ።
ኣነ ፅጌረዳ ሳሮን፥ ናይ ቈላ ዕምበባውን እየ።
ከምኡ ፍቱወይ ኣብ ማእኸል ኣወዳት እዩ፤ ከምቲ ኣብ ማእኸል ኣእዋም ዱር ዘሎ ምልዖ እዩ፤ ኣብ ትሕቲ ፅላሉ ደስ ኢሉኒ ተቐመጥኩ፤ ፍረኡውን ንጐረሮይ ጥዑም እዩ፤
ክንዲ እሾዅ ኦም ፅሕዲ፥ ክንዲ ኣምዐ ድማ ፀፆ፥ ክበቍል እዩ፤ እዙይ ከዓ ንእግዚኣብሄር መዘከርታን፥ ንዘለኣለም ዘይጠፍእ ምልክትን ክኸውን እዩ።”
“እንሆ ኣነ ኸም ኣባጊዕ፥ ናብ ማእኸል ተዃሉ እሰደኩም ኣለኹ፤ ደጊም ከም ተመን ብልህታት፥ ከም ርግቢ ኸዓ የዋሃት ኩኑ።
እቶም ከም ገበርቲ እከይ ገይሮም ዝሓምዩኹም ዘለዉ፥ ንሰናይ ግብርኹም ሪኦም፥ በታ እግዚኣብሄር ዝምልከተላ መዓልቲ፥ ንእግዚኣብሄር ምእንቲ ኸኽብርዎ፥ ኣብ ማእኸል ኣህዛብ ኣካይዳኹም ኣፀብቑ።