1 ኣነ ፅጌረዳ ሳሮን፥ ናይ ቈላ ዕምበባውን እየ።
ነገድ ጋድ ኣብ ገለዓድን ኣብ ባሳንን ኣብተን ኣብኡ ዘለዋ ዓድታትን ኣብ ኵሉ መዋፈሪታት ሳሮን ክሳዕ ወሰና ይቕመጡ ነበሩ።
ሓቂ ኻብ ምድሪ በቘለት፤ ፅድቂውን ካብ ሰማይ ጠመተት።
ፍቱወይ ናተይ እዩ፤ ኣነውን ናቱ እየ፤ ንሱ ንመጓሰኡ ኣብ ማእኸል ዕምበባታት ሱፍ የውፍረን።
ምዕጕርታቱ ኸም መደብ ኣታኽልቲ ሽቱ እየን፤ ከናፍሩ ፈሳሲ ኸርበ ዘንጠብጥባ ዕምበባ እየን።
ፍቱወይ ክጓስን ዕምበባታት ክእክብን፥ ናብ ገነቱ፥ ናብቲ ሽቱ ዝበቝለሉ ኽፍሊ እዩ ወሪዱ።
ኣነ ናይ ፍቱወይ እየ፤ ፍቱወይ ከዓ ናተይ እዩ፤ ንሱ ኣብ ማእኸል ዕምበባታት፥ መጓሰኡ ይጓሲ ኣሎ።
እታ ምድሪ በኸየት፤ መንመነት፤ ሊባኖስ ሓፈረትን ፀምለወትን፤ ሳሮን ከም ምድረ በዳ ኾነ፥ ባሳንን ቀርሜሎስን ድማ ቘፅሎም ረገፈ።
“እቲ ልዕል ልዕል ዝበለ፥ ስሙውን ቅዱስ ዝኾነ፥ ንዘለኣለም ዝነብር እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ ነቶም ዝተዋረደ መንፈስ ዘለዎም ህያው ክገብር፥ ዝተሰበረ ልቢ ንዘለዎምውን ህያው ክገብር፥ ኣብቲ ልዑልን ቅዱስን ስፍራ፥ ምስቶም ዝተዋረደ መንፈስን፥ ዝተሰበረ ልቢ ዘለዎምን እነብር።
ኣነ ንእስራኤል ከም ኣውሊ ክኾኖ እየ፤ ከም ፅቡቕ ዕምበባ ኽዕምብብ እዩ፤ ከም ኣእዋም ሊባኖስ ከዓ ሰራውር ክሰድድ እዩ።