8 ኣቲ ኻብ ኣንስቲ እትፅብቒ፥ ዘይትፈልጢ እንተ ዄንኪ፥ ኣስኣሰር መጓሰ ተኸቲልኪ ውፂ፤ መሓስእ ኣጣልኪ ኣብ ጥቓ ድንኳናት ጓሶት ኣውፍሪ።
ኵሉ ፍቓድካ፥ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ኣብ ዘለዉ ቕዱሳንን ክቡራንን እዩ።
ንጉስ ፅባቐኺ ፈትዩ እዩሞ፥ ንሱ ጐይታኺ እዩ እሞ።
ንጓል ንጉስ ሓሴቦን ኵሉ ኽብራ እዩ፤ ክዳውንታ ናይ ወርቂ መጐናፀፊ እዩ።
እቲ ኣብ ልዳት ደገታተይ በብመዓልቱ፥ ኣብ በርታተይ እናተፀበየ፥ ንኣይ ዝሰምዕ ሰብ ብፁእ እዩ፤
ኣቲ ፍቕርተይ፥ ፅብቕቲ ኢኺ! እንሆ ንስኺ ቘንጆ ኢኺ! ኣዒንትኺ ኸም ርግቢታት እየን።
ፍቱወይ፥ ኣቲ ፍቕርተይ ተስኢ፤ ኣቲ ፅብቕተይ፥ ንዒ ኢሉ ተዛረበኒ።
ኣቲ ፍቕርተይ ክንደይ ትፅብቒ! ከመይ ዝበልኪ ቘንጆኸ ኢኺ! ኣዒንትኺ ኣብ ውሽጢ ጕልባብኪ፥ ከም ርግቢታት እየን፤ ፀጕሪ ርእስኺ ኸም እተን ካብ እምባ ገለዓድ ዝወርዳ መጓሰ ኣጣል እዩ።
ኣቲ ሓፍተይ፥ ፍቕርኺ ኽንደይ ሰናይ እዩ። መርዓተይ፥ ፍቕርኺ ኻብ ወይኒ የርዊ፤ መዓዛ ቕብእኽውን ካብ ኵሉ ሽቱ ይምዕዝ!
ኣቲ ፍቕርተይ፥ ኵለንትናኺ ፅብቕቲ ኢኺ፤ ኣበርውን የብልክን።
ኣቲ ሕልፊ ዅለን ኣንስቲ እትፅብቒ፥ እዝ ፈታዊኺ ኻብ ካልኦት ፈተውቲ ዝበልፅ መን እዩ? ከምዙይ ጌርኪ እተምሕልናስ ፈታዊኺ ኻብ ካልእ ፈታዊ ዝበልፅ መን እዩ?
ኣቲ ሕልፊ ዅለን ኣንስቲ እትፅብቒ፥ ፈታዊኺ ናበይ እዩ ኸይዱ? ምሳኺ ሓቢርና ኽንደልዮስ፥ ፈታዊኺ ናበይ ኣቢሉ እዩ ዝኸደ?
እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ኣብ ጐደና ደው ኢልኩም ተመልከቱ፤ እቲ ጥንታዊ መንገድታት፥ እቲ ፅቡቕ ጐደና ኣየናይ ምዃኑ ጠይቑ እሞ፥ ብእኡ ተመላለሱ፤ ሽዑ ንነፍስኹም ዕረፍቲ ኽትረኽቡ ኢኹም።” ንሳቶም ግና “ኣይንመላለሰሉን” ኢና በሉ።
ምስ በልዑ ድማ፥ ኢየሱስ ንስምኦን ጴጥሮስ፥ “ስምኦን ወዲ ዮና፥ ካብዚኣቶም ኣብሊፅካዶ ትፈትወኒ ኢኻ?” በሎ። ንሱ ኸዓ “እወ ጐይታ፤ ኣነ ኸም ዝፈትወካ ንስኻ ትፈልጥ ኢኻ” ኢሉ መለሰሉ። ኢየሱስ ከዓ “መሓሲአይ መግብ” በሎ።
ከምቲ ኣነ ንክርስቶስ ዝመስሎ ዘለኹ፥ ንስኻትኩምውን ንኣይ ምሰሉ።
ርስሓት ወይ ምጭምዳድ ወይ ድማ ንእኡ ዝመስል ካልእ ክፍኣት ዘይብላ፥ ቅድስትን ነውሪ ዘይብላን፥ ክብርቲ ቤተ ክርስቲያን ገይሩ፥ ንባዕሉ ምእንቲ ኸቕርባ እዩ።
ነቶም ቃል እግዚኣብሄር ዝመሃሩኹም መራሕትኹም ዘክርዎም፤ ናይ ኣካይዳኦም ፍረ ኣስተውዒልኩም፥ ኣሰር እምነቶም ሰዓቡ።
ነቶም ብእምነትን ብትዕግስትን፥ ነታ ተስፋ ዝወረሱ ምእንቲ ኽትመስልዎም እምበር፥ ሃካያት ክትኮኑ ኣይንደልን ኢና።
ኣቦና ኣብርሃም ንወዱ ይስሓቅ፥ ኣብ መሰውኢ ምስ ኣቕረቦ፥ ብተግባሩዶ ኣይኮነን ዝፀደቐ?
ከምኡ ኸዓ እታ ኣመንዝራ ረኣብ፥ ነቶም ልኡኻት ምስ ተቐበለቶም፥ ብኻልእ መንገዲውን ምስ ኣውፅአቶም፥ ብተግባርዶ ኣይፀደቐትን?
ኣቱም ኣሕዋተይ፥ ብዛዕባ ምቕባል መከራን ትዕግስትን፥ እቶም ብስም እግዚኣብሄር ዝተናገሩ ነቢያት፥ ኣርኣያ ይኹኑኹም።
ሳራ ንኣብርሃም “ጐይታይ” እናበለት፥ ትእዘዞ ኸም ዝነበረት፥ ንስኻትክንውን ብሓደ ዘደንግፅ ነገር እንተይፈራሕኽን ሰናይ እንተገበርክን ደቃ ኢኽን።