4 ሰሓበኒ እሞ ደድሕሬኻ ኽንጐዪ ኢና፤ እቲ ንጉስ ናብ ሕልፍኚኡ ኣእተወኒ፤ ብኣኻ ኽንሕጐስን ደስ ክብለናን እዩ፤ ሕልፊ ወይኒ፥ ንፍቕርኻ ንሓስብ ኢና፤ ብቕንዕና እየን ዝፈትዋኻ።
ንተኣምራቱ መዘከርታ ገበረ፤ እግዚኣብሄር መሓርን ይቕረ በሃልን እዩ።
ንልበይ ምስ ኣስፋሕኻዮ፥ ብመንገዲ ትእዛዛትካ ጐየኹ።
ትእዛዛትካ ንምሕላው ጨከንኩ እምበር፥ ኣይደንጐኹን።
እስራኤል፥ ብፈጣሪኡ ይተሓጐስ፤ ደቂ ፅዮንውን፥ ብንጉሶም ይተሓጐሱ።
እዙይ እንትሓስብ ነፍሰይ ኣብ ውሽጠይ ፈሰሰት፤ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ናብ መንበሪ ምስጋና ኽኣቱ እየሞ፤ እቶም በዓል ዝገብሩ ሰባት ቃል ሓጐስን ምስጋናን ኣስምዑ።
ኦ ኣምላኽ፥ ኣብ ማእኸል ህዝብኻ፥ ምሕረትካ ተቐበልና።
ነፍሰይ ብጠስምን ብስብሕን ከም ዝፀግቡ ኽትፀግብ እያ፤ ከናፍረይ ብደስታ ንስምካ የመስግና።
ቁሩብ ምስ ሓለፍክዎም፥ ነቲ ነፍሰይ እትፈትዎ ረኸብክዎ፤ ሓዝክዎ፤ ናብ ቤት እኖይን ናብ ሕልፍኚ ወላዲተይን፥ ክሳዕ ዘእትዎ ድማ ኣይሰደድክዎን።
ኣቲ ሓፍተይ፥ ፍቕርኺ ኽንደይ ሰናይ እዩ። መርዓተይ፥ ፍቕርኺ ኻብ ወይኒ የርዊ፤ መዓዛ ቕብእኽውን ካብ ኵሉ ሽቱ ይምዕዝ!
ንሞት ንዘለኣለም ክውሕጦ እዩ። እግዚኣብሄር ኣምላኽ ንንብዓት ከዓ ኻብ ናይ ኵሉ ገፅ ክሕብሶ እዩ፤ እግዚኣብሄር ተዛሪቡ እዩሞ፥ ንውርደት ህዝቡ ኻብ ገፅ ኵላ ምድሪ ኸወግዶ እዩ።
ኵሎም ዘርኢ እስራኤል ብእግዚኣብሄር ክፀድቁ፥ ብእኡውን ክምክሑ እዮም።”
“እግዚኣብሄር ንኽብሩ ዝተኸሎም ኣእዋም ፅድቂ” ተብሂሎም ምእንቲ ኽፅውዑ ድማ፥ ንሕዙናት ፅዮን፥ ክንዲ ሓሙዅሽቲ፥ ኣኽሊል ኽደፍአሎም፥ ክንዲ ሓዘን ከዓ ዘይቲ ሓጐስ፥ ክንዲ መንፈስ ጓሂውን፥ ክዳን ምስጋና ኽህቦም ለኣኸኒ።
ኣነ ኸምቲ እግዚኣብሄር ዝገበረልና ዅሉ ሰናይ ግብርን፥ ከምቲ ንቤት እስራኤል ዝገበረላ ዓብዪ ግብርን ከም መጠን ምሕረቱን ዕቤት ለውሃቱን እናዘከርኩ፥ ሰናይ ግብሪ እግዚኣብሄርን ውዳሴኡን ክነግር እየ።
እግዚኣብሄር ካብ ርሑቕ ተገለፀለይ፤ ከምዙይውን በለኒ፤ ብዘለኣለማዊ ፍቕሪ ፈትየኪ ኣለኹ፤ ስለዙይ ድማ ብርህራሀ ሰሓብኩኺ።
ኣነ ብናይ ሰብ ገመድ፥ ብናይ ፍቕሪ መእሰሪ ናባይ ሰሓብክዎም፤ ነቲ ኣርዑትውን ካብ ክሳዶም ኣልዓልኩሎም፤ ዝብላዕውን ኣቕረብኩሎም።”
ኦ ጓል ፅዮን፥ ዘምሪ፤ ኦ እስራኤል ብሓጐስ ዕልል በል፤ ኦ ጓል ኢየሩሳሌም፥ ብምሉእ ልብኺ ተሓጐሲ፤ ደስ ከዓ ይበልኪ።
ኣቲ ጓል ፅዮን፥ የመና ደስ ይበልኪ፤ ኣቲ ጓል ኢየሩሳሌም፥ ዕልል በሊ፤ እንሆ ንጉስኪ ፃድቕን መድሕንን እዩ፤ ትሑት እዩ፤ ኣብ ኣድጊ፥ ኣብ ገልገል ኣድጊ፥ ኣብ ፃዕቢ ተቐሚጡ ናባኺ ክመፅእ እዩ።
ክዕድጋ ምስ ከዳ እቲ መርዓዊ መፀ፤ እተን ተዳልየን ዝፀንሓ፥ ምስኡ ናብ መርዓ ኣተዋ፤ በሪ ድማ ተዓፅወ።
እቲ መልኣኽ ድማ “እንሆ ንዅሉ ህዝቢ ዝኸውን፥ ዓብዪ ሓጐስ ኣብስረኩም ኣለኹ እሞ ኣይትፍርሑ።
ሕብስቲ ኣልዒሉ ድማ ኣመስጊኑ ቘሪሱ፥ “እዙይ ምእንታኻትኩም ዝወሃብ ስጋይ እዩ፤ ንመዘከርታይ ግበርዎ” እናበለ ሃቦም።
ኣነ ድማ ኻብ ምድሪ ልዕል ምስ በልኩ፥ ንዅሉ ናባይ ክስሕቦ እየ።”
እቲ ዝለኣኸኒ ኣብ፥ ዝሰሓቦ እንተ ዘይኮይኑ፥ ናባይ ክመፅእ ዝኽእል ሓደኳ የለን፤ ኣነ ድማ በታ ዳሕረወይቲ መዓልቲ ኸተስኦ እየ።
እግዚኣብሄር ምስ ክርስቶስ ኣተስአና፤ ብኢየሱስ ክርስቶስ ገይሩ ኸዓ፥ ኣብ ሰማያት ምስኡ ኣቐመጠና።
ነቶም፥ ንጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ብዘየቋርፅ ፍቕሪ ዘፍቅሩዎ ዅሎም፥ ፀጋ ይኹነሎም።
ንሕና ብመንፈስ ንእግዚኣብሄር እነምልኽ፥ ብኢየሱስ ክርስቶስ እንምካሕ፥ ብስጋውን ዘይንእመን፥ ንሕና ኢና ብሓቂ ግሩዛት።
ኵልሻዕ ብጐይታ ተሓጐሱ፤ ደጊመ ተሓጐሱ እብል ኣለኹ።
ምእንቲ እዙይ ንሕናውን ክንድዙይ ዝኣኽሉ መሰኻኽር፥ ከም ደመና ኸቢቦምና ስለ ዘለዉ፥ ንዅሉ እቲ ዝኸብደናን ዝጠብቀናን ሓጢኣት ኣርሒቕና፥ በቲ ኣብ ቅድሜና ተዳልዩልና ዘሎ መቀዳደሚ፥ ብትዕግስቲ ፀኒዕና ንጕየ።
ንኢየሱስ ክርስቶስ እንተይረአኹምዎ፥ ተፍቅርዎ ኣለኹም፤ ሕዚ እውን ኣይትሪእዎን ዘለኹም፤ ብእኡ ግና ትኣምኑ ኣለኹም፤ ክንገር ብዘይከኣል ምሉእ ሓጐስውን፥ ትሕጐሱ ኣለኹም። ናይ እምነትኩም ፍረ ኸዓ፥ ድሕነት ነፍስኹም ተቐበልኩም።