3 ቅብእኻ ምዑዝ ሽቱ ኣለዎ፤ ስምካ ኸም ዝፈስስ ምዑዝ ሽቱ እዩ፤ ስለዙይ ኣዋልድ ይፈትዋኻ።
ካብ ርእሲ፥ ክሳዕ ጭሕሚ ኸም ዝፈስስ፥ ክሳዕ ጭሕሚ ኣሮን፥ ክሳዕ መደረብያ ኽዳኑውን ከም ዝወርድ ሽቱ እዩ።
ብድሕሪኣ ንንጉስ ደናግል ይወስዱሉ፤ ንብፆታውን ናባኻ የቕርቡ፤ ናብቲ ንጉስ የእትዉወን።
ሙሴ ድማ ንእግዚኣብሄር “እንሆ ንስኻ ‘ነዝ ህዝቢ እዙይ ምርሓዮ’ ትብለኒ ኣለኻ። ምሳይ መን ከም እትሰድድ ግና ኣየፍለጥካንን። ንኣኻ ብስምካ ፈለጥኩኻ፤ መሊስካ ኣብ ቅድመይ ሞገስ ረኺብካ ኢኻ ኢልካኒ ኔርካ።
እግዚኣብሄር ከዓ “ምስ ኵሉ ኽብረይ ብቕድሜኻ ኽሓልፍ እየ፤ ብቕድሜኻ ኽሓልፍ እንተለኹ ኸዓ ስመይ፥ ስም እግዚኣብሄር ክእውጅ እየ። ነቲ ፀጋ ኽህቦ ዝደለኹ ፀጋ እህቦ፤ ነቲ ኽምሕሮ ዝደለኹ ድማ እምሕሮ።
ቅብእን ዕጣንን ንልቢ ኸም ዘሐጕሶ፥ ከምኡ ኸዓ ምኽሪ ፈታዊ ንነፍሲ የሐጕሳ።
ፅቡቕ ስም ካብ ክቡር ሽቱ ይበልፅ፤ ካብ መዓልቲ ልደትውን መዓልቲ ሞት ይበልፅ።
እዛ፥ ዓምዲ ትኪ መሲላ፥ ከርበን ዕጣንን ነጋዶ ዝሸጥዎ ዅሉ ዓይነት ቀመማትን እትምዕዝ፥ እዛ ኻብ ምድረ በዳ እትድይብ ዘላ መን እያ?
ኣቲ ሓፍተይ፥ ፍቕርኺ ኽንደይ ሰናይ እዩ። መርዓተይ፥ ፍቕርኺ ኻብ ወይኒ የርዊ፤ መዓዛ ቕብእኽውን ካብ ኵሉ ሽቱ ይምዕዝ!
ምዕጕርታቱ ኸም መደብ ኣታኽልቲ ሽቱ እየን፤ ከናፍሩ ፈሳሲ ኸርበ ዘንጠብጥባ ዕምበባ እየን።
ንፍቱወይ ክኸፍተሉ ተሳእኹ፤ ኣእዳወይ ከርበ፥ ኣፃብዕተይ ድማ፥ ፈሳሲ ኸርበ ኣብቲ መሸጐሪ ማዕፆ ኣንጠብጠቡ።
ስሳ ንግስትታት፥ ሰማንያ ዕቁባት፥ ቍፅሪ ዘይብለን ኣዋልድውን ኣለዋ።
“እግዚኣብሄር ንኽብሩ ዝተኸሎም ኣእዋም ፅድቂ” ተብሂሎም ምእንቲ ኽፅውዑ ድማ፥ ንሕዙናት ፅዮን፥ ክንዲ ሓሙዅሽቲ፥ ኣኽሊል ኽደፍአሎም፥ ክንዲ ሓዘን ከዓ ዘይቲ ሓጐስ፥ ክንዲ መንፈስ ጓሂውን፥ ክዳን ምስጋና ኽህቦም ለኣኸኒ።
“በቲ ጊዜ እቱይ መንግስተ ሰማያት፥ መመብራህተን ሒዘን፥ መርዓዊ ኽቕበላ ዝወፃ ዓሰርተ ደናግል ትመስል።
ማርያም ድማ ፍርቂ ሊትሮ ዝኸውን ብፅሩይ ናርዶስ ዝተሰርሐ፥ ብዙሕ ዝዋጋኡ ምዑዝ ሽቱ ወሲዳ፥ ኣእጋር ኢየሱስ ቀብአት፤ ብፀጕሪ ርእሳውን ሓበሰቶ። እታ ገዛ ኸዓ፥ ብመዓዛ እቲ ሽቱ መልአት።
ብቕንኢ እግዚኣብሄር፥ እቐንአልኩም እየ እሞ፥ ከም ሓንቲ ንፅሕቲ ድንግል ምእንቲ ኸቕርበኩም፥ ንሓደ ሰብኣይ፥ ንክርስቶስ ኣሕፅየኩም ኣለኹ።
ሕዚ ግና ዝኣክል፥ እኳ ደኣ ኣኺሉ ዝተርፍ ኣለኒ፤ ነቲ ብኣፍሮዲጡ ዝለኣኽኩምዎ፥ ምዑዝ ዝሽታኡ፥ ንእግዚኣብሄር ዘሐጕስ ቅቡል መስዋእቲ ምስ ተቐበልኩ፥ መሊኡለይ ኣሎ።
እዚኣቶም፥ ምስ ኣንስትውን ዘይረኸሱ ደናግል እዮም። ንሳቶም ነቲ በጊዕ ናብ ኵሉ ዝኸዶ ይኽተልዎ። ንሳቶም፥ ንኣምላኽን ነቲ በጊዕን በዅራት ምእንቲ ክኾኑ፥ ካብ ደቂ ኣዳም ዝተቤዘዎም እዮም።